ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካሜሩን 10 ጋዜጠኛታት ሕትመትን ፈነወን ን 3 ኣዋርሕ ካብ ስራሕ ኣጊዳ


ሰበስልጣን ካሜሩን 10 ጋዜጠኛታት ሕትመትን ፈነወን ንሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ስራሕ ኣጊዶም።ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ኮሚንኬሽን እቶም ጋዜጠኛታት ዘይሙያዊ ስራሕቲ ይሰርሑ ኣለው ክብል ይኸሶም።ሰብሙያ መራኸቢ ማዕኸናት ግን ንመንግስቲ ብምንቃና ኢና ተኣጊድና ይብሉ።

ምኽትል ፕሬዝዳንት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኮሚንኬሽን ካሜሩን ጆሴፍ ጃንቪየር እቶም ዝተገዱ 10 ጋዜጠኛታት ናይታ ሃገር ክብሪን ናይ ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ንምፅላም ዘይተጨበጡ ሓብሬታት ክዝርግሑ ዝፀንሑ እዮም ኢሎም።

ነዚኦም ቆፂረን ዘስርሓ ጋዜጣታት፣መድብራት ሬድዮን ቴሌቪዥን እቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ከረጋግፃ ኣለወን ኢሎም ጆሴፍ ዳንቪየር።

እቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ከረጋግፁ፣ነቲ ትእዛዝ ዘይቕበሉ እንተኾይኖም ክኣ ሰበስልጣ ንፖሊስን ክኣስሩዎምን ከምኡ እውን ንቶም መራኸቢ ማዕኸናት ክዕሸጉ ንዝምልከቶም ወገናት ኣዚዘ ኣለኹ እዮም ዝብሉ።

ክእገዱ ሕቶ ካብዘቕረቡ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፕሬዝዳንት ፓል ቢያ ይርከቡዎም።

እቶም ዝተኣገዱ ጋዜጠኛታት ንግዕዝይና፣ድኹም ምሕደራን ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ፕሬዝዳንት ፓል ቢያ ብምንቃፍና ስቕ ከብሉና ስለዝደለዩ እዩ ይብሉ።

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኮሚንኬሽን ካሜሩን ከም ናይ መንግስቲ መሳርሒ ወይ ቕልፅም ተገይሩ ስለዝርአ ብጋዜጠኛታት እታ ሃገር ተቐባልነት የብሉን።ፕሬዝዳንት ቢያ ነቲ ቤት ምኽሪ ከምዝፈጠሩዎን ንዕኡ ዝመርሑ ሰባት እውን ባዕሎም ከምሸሙን ተገሊጡ’ሎ።

ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተብሃለ ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ቁፅሪ ዝእገዱ ዘለው ጋዜጠኛታት ምብዝሑ ዝሕብሮ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኮሚኒኬሽን ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ካሜሩን ወገናዊነት ዘርኢ ምዃኑ እዩ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቒፉ ነይሩ።

ካሜሩን 10 ጋዜጠኛታት ሕትመትን ፈነወን ን 3 ኣዋርሕ ካብ ስራሕ ኣጊዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:02 0:00

XS
SM
MD
LG