ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ መስርሕ ምስግጋር ፕረዝደንት ምልክት ቀጻልነትን ምርግጋእን


ዋይት ሃውስ
ዋይት ሃውስ

ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ኣብ ዝኻየደሉ ቀንዲ ትኹረት ንፕረዝዳንታዊ ሕፁያትን ፕሮግራማቶምን ከምኡ እውን ንወፍሪ ምርጫን ይውሃብ።እቲ ምርጫ ክካየድ ኣዋርሕ ኣብ ዝተርፈሉ እዋን ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ፕረዝዳንታዊ ምስግጋር ብዝምልከት ገዚፍ ስራሓት ይዕመሙ።እቲ መስርሕ ኣብ ውሽጢ ዋይት ሃውስ፣ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ መሓውራት ይካየድ።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ፕረዝዳንታዊ ምስግጋር ምምሕዳራዊ ክፍተት ከይፍጠር የረጋግፅ ይብሉ ፕሮፌሰር ስቲፌን ዋይነ ካብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅታውን።

ኣብቲ ዓመት ፕረዝዳንት ኮይኑ ዝምረፅ ካብታ ፈላመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ከመሓድር ድልዊ ንኽኸውን ዝሕግዝ ዘሎ "ማእኸል ፕረዝዳንታዊ ምስግጋር’’ ዝተባህለ ትካል እዩ።

ኣብዚ ማእኸል ምስግጋር ዝሰርሑ ጉጅለታት ሓበሬታ ይእክቡ፣ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ኣባላት ካብነን ፖለቲካዊ ሽመትን የዳልው።

መስርሕ ምስግጋር ኣብ እዋን ወፍሪ ብዝነበረ ምስሕሓብን ቅርሕንትን ነፃ ክኸውን ተገይሩ ዝተሓንፀፀ እዩ ይብሉ ስቲፈን ዋይን። ንሶም ብተወሳኺ ኩሎም መንግስታዊ ትካላትን መሓራትን ከምቲ ንቡር ክቕፅሉ ኣለዎም ይብሉ።

ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ንፕረዝዳንታዊ ምስግጋር ብዝምልከት ኣብ 1963 ዓ.ም ኣብ እዋን ፕሬዝዳንት ጆን ኤፍ ከኔዲ ሕጊ ኣፅዲቑ።እንተኾነ ምስ ቅንፀላ ኬነዲን ምርካብ ስልጣን ሊንደን ጆንሰንን፣ስዒቡ ኣብዝተኻየደ ምርጫ ብምዕዋቶም እቲ ሕጊ ንፈለማ ግዜ ኣብ ግብሪ ዝውዓለ ሪቻርድ ኒክሰን ፕረዝዳንት ኮይኖም ምስተመርፁ ኣብ 1968 ዓ.ም እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣሜሪካ፡ መስርሕ ምስግጋር ፕረዝደንት ምልክት ቀጻልነትን ምርግጋእን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:30 0:00


XS
SM
MD
LG