ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ትራምፕ ንሓባራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዕቱብ ለውጢ ጸዊዖም


ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ምሸት ንኣባላት ኽልቲኡ ባይቶ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝተመቓቐለት ኣሜሪካ “ተሃድሶ ኣሜሪካዊ መንፈስ” ንዝበልዎ ክትቕበል ጸዊዖም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ንኢኮኖሚ እዛ ሃገር ንምብርባር ዶባት ኸም ዝጸንዕ ምግባር ወሰኽ ወተሃደራዊ ባጀት ኸምኡ’ውን ምትዕርራይ ስርዓት ጥዕና ዝብሉ ኣጀንዳታት ኣነጺሮም።

መደረ ትራምፕ ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕ ጽዑቕ ክትዕ ከኸትል ትጽቢት ይግበር።

ፕረዝደንት ትራምፕ መደረ ከስምዑ ናብቲ ኣዳራሽ ኣብ ዝኣተውሉ ካብ ሪፖብሊካዊያን ምውቕ ኣቐባብላ ተገይርሎም ዲሞክራትን’ውን ትሕትና ኣይነፈግዎምን። ፕረዝደንት ትራምፕ ናይ ፖሊሲ ቐዳምነታት ኣብ ዘነጸረሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ወፍሪ ምረጹኒ ዝኣተውዎ ቃል ምዕጻው ዶባት ኣሜሪካ ዝምልከት ተጠቃሲ’ዩ።

“ኣሜሪካ ንሓባራዊ ረብሓ ሓደሽቲ መሓዙት ንምርኻብ ሓድሽ ሸርክነት ንምህናጽን ድልየት ኣለዋ።ምርድዳእን ሰላምን እምበር ኹናትን ግጭትን ድልየትና ኣይኮነነ”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዝደንት ትራምፕ ንሓባራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዕቱብ ለውጢ ጸዊዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:06 0:00

XS
SM
MD
LG