ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ምምሕዳሩ ግብጺ ኣብ ተካይዶ ቃልሲ ኣንጻር ጥሩፍነትን ግብረ ሽበራን ከምትሕግዝ አረጋጊጾም


ፕረዝደንት ትራምፕ ነዚ ዝገለጹ ምስ ፕረዝደንት ግብጺ ዓብደልፈታህ አል ሲሲ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ተራኺቦም ኣብ ዝተዘራረብሉ’ዩ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብተወሳኺ ኣሜሪካ ኣብ ተካይዶ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ንምኽልኻል ኣሜሪካ ዘድልይ ወጻኢታት ከምዝውስኽ ሓቢሮም።

ፕረዝደንት ትራምፕ ንናይ ግብጺ መዘነኦም ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሑ ከምዘለዎ ምዒዶም፡ ኣሜሪካ ድማ ግብጺ ኣብ ተኻይዶ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ናይ ወታሃደራዊን ካልእን ደገፍ ከምትህብ ገሊጾም።

“ንወታሃደራዊ ሓይልና ክሳብ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ክንሕድስ ኢና። ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ ብርግጹነት እቲ ዘድልየና ንሱ እዩ።ንዓኻ ፕረዝደንት ክብለኻ ዝደልይ ድማ ንኣሜሪካ ኮነ ንዓይ ብሉጽ መዘናን ፈታውን ኢኻ’ዩ።”

ናይ ግብጺ ፕረዝደንት ብወገኖም ነቲ ሓይል መርገጺ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ግብረ ሽበራ ድሕሪ ምድናቕ ምትሕብባሮም አረጋጊጾም ።

“ ኣነ ኾነ ግብጺ ኣብቲ ንግብረ ሽበራ ንምምኻት ውጽኢታዊ ስትራቴጂ ኣብ ምሕንጻጽ ብሓያልን ክፉትን መንፈስ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጎንኹም ኢና።”

እዚ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ርኽብ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ንገለ ዓመታት ዝሒሉ ዝነበረ ርኽብ ክልቲኦም ሃገራት ዘሕድስ’ዩ። ምምሕዳር ኦባማ ፕረዝደንት አል ሲሲ ኣብ ካይሮ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ዘርኣይዎ ኣተሓሕዛ ብምንቓፎም ርኽብ ክልቲኦም ሃገራት ሓርፊፉ ዝጸንሓ ምኻኑ ይዝኸር።

ክኢላ ፖለቲካዊ ኩነታት ማእኸላይ ምብራቕ ዝኾኑ ካብ ሚድል ኢስት ኢንስትዩት ዋሽንግተን ፖል ሳሌም ግን ፕረዝደንት ትራምፕ ነቲ ርኽብ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ አጀንዳ’ዮም ዝጥቐምሉ ዘለው ይብሉ።

ንሶም ግብጺ ዝዓበየት ናይ ዓረብ ሃገር ከም ምዃና ብተወሳኺ ምስ እስራኤል ንዝህልው ርኽብ፡ ንመስርሕ ሰላም ማእኸላይ ምብራቕ፡ ንዞባዊ ዲፕሎማሲን ፖለቲካዊ ኩነታት ሊብያ፡ሶርያ ኣብ ቃልሲ አንጻር ንገዛእ ርእሲ እስላማዊ መንግስቲ ኢሉ ዝጽውዕ ጥሩፍ ጉጅለ አገዳሲት ረቛሒ ዘለዋ ሃገር’ያ። ፕረዝደንት ትራምፕ ድማ ምምሕዳሮም ኣብ ዝጅምርሉ ዘሎ ናይ ሕጂ እዋን ብዝተኻእለ መጠን ምሕዝነት ሃገራት ኣብ ምፍጣር ይጽዕሩ ኣለው ኢሎም።

ግብጻዊ ተንታኒ ዓጢፍ ኣልዳሳዊ ኣል ሃራም ግን ምስዚ ኣይሰማምዑን። ርኽብ ኣሜሪካን ግብጽን ክቕየር’ዩ ይብሉ።

ንሶም ምምሕዳር ትራምፕ ዘካይዶ ናይ ወጻኢ ርኽብ ኣብ ቀዳምነት ኣሜሪካ ዝተሞርከሰ’ዩ ስለዚ ኣሜሪካ ንፈታዊ ዝኮነ ሃገር ትህቦ ሓገዝ ኮነ ምትእትታው ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣይኮነን ይብሉ።

ንሶም ብተወሳኺ ናይ ኣሜሪካ ኤምባሲ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ቴል ኣቪቭ ናብ የሩሳሌም ምቕያር ግብጺ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ጽልዋ ዘንእስ’ዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG