ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ባክንሄ ኣብ ኢትዮጵያ


ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ባክንሄ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያ ደሳለኝ(የማን)
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ባክንሄ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያ ደሳለኝ(የማን)

ኣብ ዝቕጽላ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ንመንእሰያት ኣፍሪቃ ዕድል ስራሕ ክፈጥር ዝኽእል ፕሮግራም ስልጠና ከምዘዳለዋ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይዳ ዘለዋ ፕረዝደንት ደቡብ ኮርያ ባክንሄ ኣፍሊጠን።

እተን ፕረዝደንት ንናጻነትን ዲሞክራስን ኮርያ ደሞም ኣፍሲሶም ንዝበልኦም ኢትዮጵያዊያን ኣመስጊነን።

ፕረዝደንት ደቡብ ኮርያ ባክንሄ ኣብ ኣደራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘስምዖ መደረ ንመንእሰያት ኣፍሪቃ ስልጠና ንምሃብ ዘለወን መደብ ገሊጸን ። ቕድሚ 50 ዓመታት ዝነበረ ኩነታት ሃገረን ካብዚ ናይ ሕጂ ዝተፈልየ ምንባሩ'ውን ሓቢረን።

'ኮርያ ባዕዳዊ መግዛእትን ኩናት ሕድ-ሕድን ተመኹራ'ያ። ቅድሚ 50 ዓመታት ኸአ ኮርያ ብጥምየትን ቀቢጸ ተስፋን ተተብቲባ ኔራ'ያ ግን ህዝቢ ኮርያ ራኢኦምን ተስፎኦምን ካብ ኢዶም ከየምልጥ ብሓባር ተአምር ፈለግ ሃን ሰርሑ ' ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ ኮርያ ኣብዚ ሎሚ ዝበጽሓትሉ ደረጃ ዝበጽሐት ካብ ኣፍሪቃ ሓዊሱ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝተገብረላ ሓገዝ'ዩ ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዑደት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ባክንሄ ኣብ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:41 0:00

XS
SM
MD
LG