ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኦባማ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሃገራት ዝሳተፍዎ ዋዕላ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣካይዶም


ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሓገዝቲ ሃገራት ዘሳትፍ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዓለም ጉባዔ መራሕቲ ዓለም የካይዱ’ለው።

ኢትዮጵያ ኣብ ሎሚ ብፕረዝደንት ኦባማን ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ባን ኪ ሙ ዝካየድ ጉባዔ ጉዳይ ስደተኛታት ግደ ካብ ዘለወን ሽዱሽተ ሃገራት ሓንቲ’ያ።መራሕቲ ዮርዳኖስ፡ካናዳ፡ሜክሲኮ፡ሶርያን ስውዲንን ኣብቲ ዘተ አተሓባበርቲ ኾይኖም’ለው።

ትማሊ 192 አባል ሃገራት ሕ/ሃ ዝፈረምሉ ስምምዕ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብኸመይ ይትግብርዎ’ውን ሎሚ ይዘራረብ’ለው።

ስደተኛታት ንዘዕቁባ ሃገራት ድማ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ንዘተሓባብራ ሃገራት ረድኤት ገንዘብን መግብን ክወሃብ እቲ ስምምዕ ይገልጽ።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ
ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ

ኣብቲ ጉባዔ ካብ ዝተዛረቡ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ " ኣይትጋገዩ ብህጹጽ ተወሳኺ ጻዕርታት የድሊ'ዩ። ሕጂ ኣብዚ ተአኺብና ኣብ ዘለናሉ 65 ሚሊዮን ሰባት ካብ አባይቶም ብሓይሊ ይመዛበሉ'ለው ልዕሊ 21 ሚሊዮን ሰባት ኸአ ዓለምለኸ ዶባት ሰጊሮም ዝሃድሙ ሓዊስኻ ማለት'ዩ"ኢሎም።

ፕረዝደንታዊ አማኻሪ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረ አብ ኣብቲ ንሕ/ሃ ዘስምዕዎ መደረ ከምዚ ኢሎም።

"ኤርትራ ቀዳማይ ዕላማ ኹለን ሃገራት ደሕንነትን ሰብአዊ ኽብሪን ዜጋታትን ዝሕልውሉ ሕይወት ኣብ ሃገሮም ምርግጋጽ'ዩ ኢላ ትአምን። ስለዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዕድል ክረኽቡ ምሕጋዝ ምኽኑይ'ዩ ይኹን እምበር ሃገራት ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ዝርኸባ ሃገራት ሰላምን ነባሪ ልምዓትን ንምርግጋጽ ዝሓቶ ዓብይ ብድሆ ምውጻእ ሓገዝን ምትሕብባርን ይደልያ።"

ፕረዝደንታዊ አማኻሪ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረአብ
ፕረዝደንታዊ አማኻሪ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረአብ

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG