ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድነትን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲ ክዓዝዝ ፕረዝደንት ኦባማ ጸዊዖም


መደረ ስንብታ ፕረዚደንት ኦባማ
መደረ ስንብታ ፕረዚደንት ኦባማ

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ትማሊ ምሸት 10 መዓልታት ቅድሚ ካብ ዋይት ዋውስ ምውጽኦም: ናይ መፋነዊ መደረ ንህዝቢ ኣስሚዖም።

ኣብዚ መደረኦም ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ምምሕዳሮም ዘመዝገቦ ፍጻመታት ንምጉላሕ ዝተጠቐምሉ ፕረዚደንት ኦባማ፡ ካብ ምክፍፋልን ፖሊቲካዊ ጽልእን ዝብገስ ኣብ ዲሞክራሲ ኣሜሪካ ብዛዕባ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኣጠንቂቖም።

ኣብ`ታ ፖለቲካዊ ቃልሶም ዝጀመሩላ ከተማ ቺካጎ ናይ ስንብታ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኦባማ ናብ ዓድኻ ምምላስ ጥዑም`ዩ ፡ ኣመሪካ ካብ 2009 ንደሓር ዝያዳ ሓይላ ትርከብ ኣላ ኢሎም።

‘ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት፡ ኣሜሪካ ካብ ዓዘቕቲ ኤኮኖሚ ክትወጽእ`ያ፡ ኢንዱስትሪና ከም ሓዲሽ ክበራበር`ዩ፡ ኣብ ታሪኽና ዝበዝሐ ዕድላት ስራሕ ክኽፈት`ዩ ኢለኩም ኔረ እንተኾይነ፡ ምስ ህዝቢ ኩባ ሓዲሽ ምዕራፍ ክንከፍት ኢና፡ ብዘይ ዝኾነ ጥይት ምትኳስ ንፕሮግራም ኑክሌር ኢራን ክንዓጽዎ ኢና ኢለኩም ኔረ እንተኾይነ፡ ንዋና-ኣወሃሃዲ ግብረ-ሽበራ መስከረም 11 ክንምንጥሎ ኢና ኢለኩም ኔረ እንተኾይነ፡ ማዕርነት ተመሳሳሊ ጾታ ሰብ-ሓዳር ክነረጋግጽ ኢና፡ ንመሰል ውሕስነት ጥዕና 20 ሚልዮን ኣሜሪካውያን ክነረጋግጽ ኢና ኢለኩም እንተኾይነ፡ ብርግጽ`ምበኣር ኣጠማምታና ሰማይ ኢዩ ኔሩ ትብሉ ትኾኑ”ኢሎም።

ኣብ`ዛ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያት ዘልዓሉ ፕረዚደንት ኦባማ፡ ኣሜሪካውያን ነንሕድሕዶም ዝራኸብሉ ባይታ ሃሰስ ክብሉ ብምትሕስሳብ ከምዚ ኢሎም “ዲሞክራሲ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝጠልብ`ኳ እንተዘይኮነ፡ መሰረታዊ ትርጉም ሓድነት ዝጠልብ`ዩ።”

ድሕሪ ትሽዓተ መዓልታት ዝፋነዉ ፕረዚደንት ኦባማ፡ ኣሜሪካ ከም ኣብ ኤኮኖሚያዊን ዘርኣውነትን ዘሎ ዘይማዕረነታዊነት ንዲሞክራሲ ኣሜሪካ ሓደጋ ምዃኑ ኣጠንቂቖም።

“ዝኾነ ኤኮኖሚ ኣብ መንጎ ማእከላይ እቶት ዘለዎም ጸዓዱን ዘይርኹባት ውሑዳንን ብዘሎ ቃልሲ ዝቕረጽ እንተድኣ ኮይኑ፡ እቶም ሃብታማት ናብ ውልቃዊ ማዕከኖም ኣብ ዝግሕጥሉ፡ እቶም ጻዕራማት ህይወቶም ንክስዕሩ ንኽጋደሉ ክንገድፎም ኢና ማለት`ዩ።”

ኣሜሪካ ካብ ኣብ እዋን ስልጣን ዝሓዝኩሉ ግዜ ሎሚ ዝያዳ ተስፋ ይርኣየኒ ብምባል፡ ዜጋታት ኣብ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ተሳትፍኦም ክቕጽሉ ጸዊዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓድነትን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲ ክዓዝዝ ፕረዝደንት ኦባማ ጸዊዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:01 0:00


XS
SM
MD
LG