ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ሚእቲ መዓልታት ፕረዚደንትነቶም


President-elect Donald Trump
President-elect Donald Trump

ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ብኣጠቃቅማ ኢሜይለን ዝወቅሱወንን ክትእሰሪ ኢኺ ይብልወን ንዝነበሩ መወዳድርቶም ነበር ሂለርይ ክልንትን ኣንጻረን ከምዘይብገሱ ተገሊጹ።

ኣማኻሪት ዶናልድ ትራምፕ ዝኾና ኪልናን ኮንዌይ ‘ትራምፕ ነቲ መስርሕ ክሲ ኣይቅጽልሉን’ ኢለን። ኣብ’ተን ቀዳሞት ሚእቲ መዓልታት ስራሕ ዝፍጽምዎም መደባት ኣብ ሓደ ቀሊል መትከል ዝተሰረት ከምዝኾን ገሊጾም - ንኣሜሪካ ቀዳማይ ምስራዕ - ዝብል።

ሚስተር ትማሊ ኣብ ዩ -ትዩብ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ‘እቶም ዝውሰኑ ትእዛዛት ‘ኣብ ኣሜሪካ ሕጊ ዘዕስሉን ዕድል ስራሕ ናብ ኣሜሪካ ዝምልሱን’ እዮም በሉ።

‘ስራሕ ሓጺነ-መጺን ድዩ፣ ስራሕቲ ማካይን ወይ ምፍዋስ ሕማም፣ ድልየተይ ቀጻሊ ስራሕቲን ምህዞታትን፣ ኣብ’ዚ ኣብ ሃገርና ክዕየ’ዩ ቀንዲ ድልየተይ’ ኢሎም ዶናልድ ትራምፕ።

ዶናልድ ትራምፕ ጥሪ 20 ስልጣን ካብ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ክቅበሉ’ዮም።

XS
SM
MD
LG