ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ኣሳድ ሶርያ ፈጺማቶ ዝተባህለ ኬሚካላዊ መጥቃዕቲ "ሚእቲ ካብ ሚእቲ ውጹእ ሓሶት" ኢሎም


ፕረዝደንት ሶርያ ባሽር ኣል ኣሳድ
ፕረዝደንት ሶርያ ባሽር ኣል ኣሳድ

ናይ ሶሪያ ፕረዝዳንት በሽር ኣል-ኣሳዳ መንግስቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሶሪያዊያን ኬሚካላዊ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ንዝብሉ ፀብፃባት ሎሚ ሓሙስ እውን እቲ ክሲ ‘ሚእቲ ካብ ሚእቲ ውፁፅ ምህዞ’ እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ።

ኣሳድ ምስ ኣገልግሎት ዜና AFP ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ሰራዊት ሶሪያ ኩሎም ኬሚካላዊ ኣፅዋሩ ኣረኪቡ እዩ ኢሎም።

‘ኣመለኻኽታ ምዕራባዊያን ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ ምስ ኣሸበርቲ ኢድን ጓንትን እዮም።መጥቓዕቲ ንምፍፃም ዝመሃዙዎ ምስምስ እዩ’ ኢሎም።

ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምንጪ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ዝእመን ወታሃደራዊ መደበር ሓይሊ ኣየር ሶሪያ ናይ ሚሳይል መጥቓዕትታት ምፍፃማ ይዝከር።
ኣሜሪካ ሰራዊት ሶሪያ ዒድሊብ ኣብዝተባህለ ከባቢ ሶሪያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ናይ ኬሚካል መጥቓዕቲ ብምፍፃም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሓዊሱ ዓሰርተታት ሰባት ዝቐተለ መጥቓዕቲ ፈፂሙ ኢላ’ላ።

ሶሪያ ዝተኸልከሉ ኬሚካላዊ ኣፅዋራት ምጥቃማ ንዓለም ስግኣት ስለዝኾነ ‘ተቐባልነት’የብሉን ኢሉ ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ፀብፃብ ዘውፅአ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ንውልቀ መላኺ ባሻር ኣል-ኣሳድ ዝኹነን ውሳነ ሩሲያ ትማሊ ረቡዕ ብምሉእ ድምፃ ስዒራቶ’ላ።

XS
SM
MD
LG