ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ዓመታዊ ዋዕላ ‘ፓወር ኣፍሪቃ’ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተቃኒዑ


ቀንዲ ወሰንቲ ኣብ ዓውዲ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኣፍሪካን ካብ ዙሪያ ዓለም ዝመጹ ኢንቨስተራትን ኣብ ልምዓት ሓይሊ ኤሌትሪክ ዝተዋፈሩን ኣብዚ ሰሙን እዚ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤ ፓወር ኣፍሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ጉባኤ ኣካይዶም።

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ ዞይተክ ጉሎባል ዝሰርሑ ቹን ፖንግ ኣብቲ ጉባኤ In-Stream Auger Turbine ዝተባሃለ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ንምርኢት ከምዝቐረበ ገሊጾም።

'እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ዓመታት ጊዜ ዝወስድ ብማይ ዝሰርሕ ናይ ኤሌትሪክ ፕሮጀክት ኣይኮነን።ተፈጥሮ እንተለጊሳ ጥራሕ ብንፋስን ጸሓይን ዝሰርሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እውን ኣይኮነን።እቲ ሩባ ከየቋረጸ ዝፈስስ እንተድኣ ኮይኑ 24 ሰዓታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጩ እዩ' ኢሎም።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ 2013 ዓ.ም.ፈ 7 ቢሊዮን ዶላር ብምምዳብ ካብ ዘበግስዎ ጀሚሩ ርሑቕ ተጓዒዙ’ሎ።

ካልኣይ ዓመታዊ ዋዕላ ‘ፓወር ኣፍሪቃ’ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተቃኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:47 0:00

XS
SM
MD
LG