ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ተራኺቦም ተዘራሪቦም


መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ(ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ(የማን)
መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ(ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ(የማን)

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ ተራኺቦም ምዝርራቦም ተፈሊጡ። ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ብገዛኢ ፓርቲ ዝተወስደ ጭቡጥ ስጉምቲ የለን፤የግዳስ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ኮንሶ ጥራሕ ልዕሊ 500 ሰባት ኣብ ጋምጎፋ ድማ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ተኣሲሮምና ክብሎ መራሕቲ መድረኽ ምግላጾም ይፍለጥ።

ኣቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ፕረዝዳንት ሙላቱ ተሾመን ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ ተቓወምቲ ንምዝርራብ ዘለዎም ድልየት ብዝምልከት ንፓርላማ ዘስምዕዎም መደረታት መሰረት ብምግባር መድረኽ ንቀዳማይ ሚኒስትር ደብዳቤ ድሒፉ ምንባሩ የረድኡ።

ነቲ ደብዳቤ ብፅሑፍ ዝተወሃበ መልሲ ከምዘየለ ዝገለፁ ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ክልቲኦም በይኖም ከምዝተዘራርቡ ገሊፆም።

ሎሚ እውን ልዝብ ንምክያድ ትፅቢት ንገብር ኣለና ዝበሉ ፕሮፌሰር በየነ ይኹን እምበር ብርክት ዝበሉ ኣባላት መድረኽ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡን ዝተወሰኑ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ይመላለሱ ከምዘለውን ሓቢሮም።

ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኣመራርሓ ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎም ማእሰርቲ ብዝገደደ ቀፂሉ’ሎ ኢሎም።

ኣብ ዞባ ጋምጎፋ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ሰለስተ መራሕቲ ፓርቲ እቲ ክልል ምእሳሮም ሽም ብምዝርዛር ገሊፆም።ኣብ ወረዳ ኮንሶ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 500 ሰባት ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ብህፁፅ ንኽፍትሑ ንኮማንድ ፖስት ደብዳቤ ምፅሓፎምን ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ገሊፆም።ክሳብ ሕጂ ምስቲ ኣዋጅ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ 11,607 ሰባት ምዃኖም መንግስቲ ገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG