ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርገሓ ኣገልግሎት ሕክምና ንቁጽሪ ብኤይድስ ዝሞቱ ሰባት ምጉዳሉ ተሓቢሩ


ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ኣብ ኔፓል ኣብ ዝተረኽበሉ- 2015

ዓለምለኸ መዓልቲ ኤይድስ ታህሳስ 1 ኣብ መላእ ዓለም ተዘኺሩ ይውዕል። ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝወጸ ሓድሽ ሪፖርት ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝለዓለ ቁጽሪ ተጠቐምቲ መድሃኒት ምብዝሑን ብሰንኪ እዚ ድማ ብኤችኣይቪን ምስኡ ብዝተሓሓዝ ሕማማት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ምጉዳሉ ይገልጽ።

ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ሓድሽ ሪፖርት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ብኤይድስን ምስኡ ብዝተሓሓዙ ሕማማት ዝሞቱ ሰባት 1 ሚሊዮን ምዃኑ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዕጽፊ ከምዝነበረ ይሕብር። ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ኤይድስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ 18.2 ሚሊዮን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ዝበዝሑ ኣንቲረትሮቫይራል መድሃኒት ክረኽቡ ከምዝኸአሉ ይገልጽ። እቲ ትካል ብተወሳኺ ዓለም ኣብ 2020 ዓ.ም ን30 ሚሊዮን ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት መድሃኒት ክረኽቡ ብዝብል ዘቕመጦ ዕላማ ኣብ ምብጻሕ ጽቡቕ ይስጉም ምህላው ይሕብር።

ዳይሬክተር ክፍሊ ሓበሬታን ገምጋምን ኣብ ናይ ሕ/ሃ ትካል ኤይድስ ፒተር ጌይስ እቲ ሕማም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ከምዝኸአል እዚ ኸአ እቲ ግቡእ ሕክምናን ኽንኽንን ንምብጻሕ አድላይ ወፍሪ እንተተኻይዱ ምኻኑ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

“ከምቲ ተገሚቱ ዘሎ ነቲ ብ2020 ዓ.ም ክብጻሕ ተወጢኑ ዘሎ እቲ ዘድልይ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እንተተረኺቡን እቲ ዝተወጠነ ዒላማ እንተተግቢሩን ንሕማም ኤይድስ ኣብ 2030 ዓ.ም ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና እቲ ዘድልይ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡ ግን ነዚ ንምብጻሕ ዘይኸአል እዩ ኽኸውን።”

ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ትካል ኣብ ሓደ ዓመት ኣስታት 19 ቢሊዮን ዶላር ኣብ ሕማም ኤይድስ ወጻኢ ይገብር። ኣብ 2030 ዓ.ም ነቲ ሕማም ንምቑጽጻር ዝተወጠነ ዕላማ ንምብጻሕ ድማ ኣብ ዝቕጽላ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት አስታት 26 ቢልዮን ዶላር የድልይ ክብል እቲ ትካል ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ሕማም ብብዝሒ ዝተራእየለን ትሕተ ሰሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ምኻኑን ብፍላይ ድማ ኣብዘን ሃገራት ዝርኸባ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ በቲ ሕማም ናይ ምጥቓእ ተኽእሎ ልዑል ምኳኑ ፒተር ጌይስ ይሕብሩ።

ንሶም ብተወሳኺ እዘን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሕማም ኣብ ደመን ምሕላው ከምዘይፈልጣን ሕክምና ከምዘይረኽባን በዚ ምኽንያት ድማ ነቲ ሕማም ክዝርግሓ ድማ ልዑል ተኽእሎ ኣለወን ይብሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ኣብ መላእ ዓለም አስታት 37 ሚሊዮን ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ይነብሩ። ኣብ ዓመተ 2015 ድማ አስታት 2.1 ሚሊዮን ሰባት ሓደሽቲ ተሸከምቲ እቲ ቫይረስ ኣለው።

እቲ ሪፖርት ብተወሳኺ ካብ 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ ቁጽሪ ሓደሽቲ በቲ ሕማም ዝልኸፉ ሰባት ከምዘይጎደለ እንተኾነ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝልኸፉ ህጻናት ግን ብ50 ሚእታዊት ከምዝጎደለ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

Recommended

XS
SM
MD
LG