ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መድሓኒት ፀረ ኤችኣይቪ ኤይድስ ኣብ ምውሳድ ዘጓንፍ ዘሎ ዕንቅፋት


ሲስተር ፅገወይኒ ግደይ
ሲስተር ፅገወይኒ ግደይ

ሲስተር ፅገወይኒ ግደይ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ኣስታት 30 ዓመታት ሰሪሐን፤ ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ሕክምና ሕዱር ሕማም ኣብ ዝፀነሓሉ እዋን ዝተዓዘብኦ ዓንቀፍቲ ልምድታት ኣመልኪተን ይዛረባ።

መድሓኒት ፀረ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝወስዱ ሰባት ነቲ መድሓኒት እንተቋርፅዎ ጠንቂ ዝተፈላለዩ ሕማማትን ሞትን ይኾኑ ኣለው ይብላ፡፡

እቶም ዝበዝሑ ነቲ መድሓኒት ተፀሚሞም ብምውሳድ ኣብ ነብሶም ለውጢ ኣርእዮም ሰሪሖም ስድረኦም እንትመርሑ ቁፅሮም ውሑዳት ዘይበሃሉ ድማ ነቲ መድሓኒት “ሰልቹዩና እዩ” ብምባል የቋርፅዎ ምህላዎም ይገልፃ፡፡

መድሓኒት ምውሳድ ዘቋርፁ ዘለዉ ዝበዝሑ ኣብ ዕድመ ንእስነት ዝርከቡ ምዃኖም ዝገለፃ ሲስተር ፅገወይኒ እዚ እውን ሰብ ክፈልጠና እዩ ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ምዃኑ ይሕብራ፡፡

ቁጠባዊ ፀገም ዘለዎም ሰባት ድማ ሓገዝ ተዘይተገይሩልና ክነቋርፆ ኢና ዝብል ኣንፀርፅሮት ከምዘስምዑን ኣብዚ ድማ ሓገዝ ክገብሩ ዝኽእሉ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል መፂኦም ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ክድግፉልና እላቦ ኢለን፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መድሓኒት ፀረ ኤችኣይቪ ኤይድስ ኣብ ምውሳድ ዘጓንፍ ዘሎ ዕንቅፋት
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:27 0:00

XS
SM
MD
LG