ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 700 ፍልሰተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ተገሊጹ’ሎ


ምውቕ ኣየርን ህዱእ ባሕሪን እንተሎ’ኳ ልዕሊ 700 ፍልሰተኛታት ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ክብሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ይግለጽ’ሎ።

ሓለውቲ ባሕሪ ጣልያን ብኣማኢት ዝቁጸሩ ዝደሓኑ ስደተኛታት ብምሓዝ ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡባዊ ጣልያን ትርከብ ወደብ ረጂዮ ካላብሪያ ምብጽሖምን ገለ ሬሳታት’ቶም ፍልሰተኛታት ምርኻቦም’ውን ሓቢሮም’ለው።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ሌተናል ሩፋኤል ማሪቲኖ ነቶም ዝደሓኑ ሕክምናዊ ረድኤት ከምዝተዋህቦም ገሊጾም።

ኣብ ጀነቫ ዝርከቡ በዓል-ስልጣን ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ዊልያም ስቲንደለር ብወገኖም ጣልያን ንዝገበረቶ ጻዕርታት ምድሓን ሂወት ንኢዶም።

‘ሓይሊ ባሕሪ ጣልያን ኣዝዩ ዝነአድ ስራሕ ይሰርሕ’ሎ። ዛጊት 14 ሽሕ ሰባት ኣብዚ ሰሙን’ዚ አድሒኑ’ሎ : ግን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓያለ ህይወት ሰባት’ውን ጠፊኡ’ሎ። ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ሓደጋታት 700 ዝኾኑ ሰባት ሞይቶም ይኾኑ’ዮም ኢልና ንግምት።’

መብዛሕትኦም ኣብተን ዝጠሓላ መራኽብ ዝነበሩ ሰባት ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ’ዮም። እቶም ኣስገርቲ ከድሕንዎም ከምዘይፈተኑ’ውን ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ሓብሮም።

ሰበ- ስልጣን ጣልያን ኣስገርቲ’ዮም ኢሎም ንዝጠርጠርዎም 4 ሰባት ምሓዞም’ውን ገሊጾም’ለው።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ 200 ሽሕ ሰባት ንማእከላይ ባሕሪ ከምዝሰገሩን 1,700 ዝኾኑ ኸአ ሞይቶም ወይ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ምኳኖም ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ልዕሊ 700 ፍልሰተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ተገሊጹ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:46 0:00

ኣስታት 700 ስደተኛታት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምጥሓሎም ይግለጽ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:43 0:00

XS
SM
MD
LG