ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተላዓለ ህውከት ብናይ ወፃኢ ዜጋታት ዝወነኑ ኩባንያታት ዒላማ ምኻኖም ተገሊጹ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተላዓለ ህውከት ብናይ ወፃኢ ዜጋታት ዝወነኑ ኩባንያታት ዒላማ ኮይኖም ኣለው።ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ናዕቢ ንቁጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣት ኣለዎም።ተንተንቲ ግን ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጠባዊ ዕብየት ንክቕፅል ናይቶም ተቓወምቲ ሕቶታት ምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ሚኒስተር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኣብ መንጎ ዝዋይን ከተማ ሃዋሳን ዝርከቡ ቦታታት ናይ ዕምበባ ሕርሻታትን ካልኦት ትካላትን መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞም ገሊፆም ኣለው።

“ልዕሊ 90 ሚእታዊት ሕርሻታት ዕምበባ፤ናይ ዓለባን ናይ ሕርሻ ውፅኢት መፍረዪ ፋብሪካታትን መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎም እዩ።ገሊኦም ምሉእ ብምሉእ፣ገሊኦም ድማ ብኽፋል ዓኒዮም ኣለው።ልዕሊ ኩሉ ድማ ናብራ ሰላማዊያን ሰባት ዝተንከፈ ተደጋጋሚ ምዕጻው መንገዲ ተፈፂሙ እዩ።ሰባት ትካላት ንግዶም ክዓፅው ምፍርራሕ ተፈፂሙዎም እዩ።”

ኣቶ ጌታቸው ብምስዓብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብቶም ዝሓለፉ 15-20 ዓመታት ዝተሃንፁ ትካላት ከምዝዓነውን ሰላማዊያን ሰባት እውን ግዳያት መጥቓዕቲ ከምዝኾኑን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣቶ ጌታቸው ከምዚ ዝበለ መጥቓዕትታት ሓደሽቲ ኣይኮኑን።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን ብኔዘርላንዳዊያን እስራኤላዊያንን ዝውነኑ ሕርሻታት እውን ብፀረ መንግስቲ ተቓወምቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሞዎም ኣሎ ኢሎም።

እቲ መጥቓዕቲ ብኔዘራንዳዊያን ዝውነን እስመረልዳ ሕርሻ ዝተባህለ ኩባንያ ዕምበባ ሓዊሱ ገለ ኩባንያታት ስራሕቶም ክዓፅዉ ኣገዲዱዎም እዩ።2,000 ሰራሕተኛታት ቆፂሩ ዘስርሕ ብኔዘርላንዳዊያን ዝውነን ናይ ፍሬታት ኩባንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኦሮሚያ ብሓዊ ነዲዱ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ሚኒስትር ወፃኢ ንግድን ልምዓትን ኔዘርላንድ ማጆሌይትን ባስትራ ሰበስልጣን ዳች ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዘራርቡ ከምዘለው ይገልፃ።

ኣብ ቀረባ ዝተመዝገቡ ምዕባለታት ኣብታ ሃገር ብዝተርኣዩ ኢንቨስትመንትን ህንፅትን ከምዝኾነ ኣብ ባንኪ ዓለም ናይ ኮሚኒኬሽን ኦፊሰር ገሊላ ውድነህ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝልኣኽኦ ፅሑፍ ይገልፃ።

ኣብ ካሊፎርኒያ ናይ ዝመደብሩ ኦክላንድ ኢንስቲቱት ዝተባህለ ትካል ፈፃሚት ዳይሬክተር ኣኑራዳሃ ሚታል ብናይ ኣዲስ ኣበባ ማስተር ፕላን ምኽንያት ካብ ዝሓለፈ ሕዳር 2015 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኦሮሚያ ዝተወልዐ ተቓውሞ ናብ ስእነት ሰብኣዊ መሰላት፣ምስኣንን ናይ ኦሮሞ ብሄር ውክልናን ተሳትፎ ኣብ ፖለቲካ ከምዝዓበየ ይገልፃ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምቁርራፅ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከምዝነበረ ተጠቀምቲ ገሊፆም።

መንግስቲ ግን እቲ ምቁርራፅ ዝተፈጥረ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝተአወጀ ናይ ህፁፅ እዋን ኣዋጅ ምዃኑ ብወግዒ ዝገለፆ ነገር የለን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG