ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ፖሊስ ሶማሌ ክልል ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሎም ትሸዓተ ኣቁሲሎም ክብሉ ነበርቲ ቦረናን ጉጂን ይኸሱ


ዞባ ቦረና
ዞባ ቦረና

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ሶማሌ ዝመጹ “ልዩ ፖሊስ” ዝተባህሉ ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ዞባታት ቦረናን ጉጂን ናብ ዝርኸቡ ቀበሌታት ብምእታው ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልታት ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሎም ካልኦት ትሸዓተ አቁሲሎም ክብሉ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ገሊጾም።

ዝተፈልየ ወታሃደራዊ ኪዳን ዝተኸድኑን ከቢድ ብረት ዝተዓጥቑን ሓይልታት ናብቲ ክልል ኣትዮም ከብቲ፡ ኣግማልን ካልኦት ጥሪት ብምውሳድ ዕጡቓት ቀበሌ ሓዊሱ ውልቀሰባት ዓፊኖም ናብ ክልሎም ዞባ ጉዲ ወሲዶሞም ክብሉ’ቶም ስምና ኣይገለጽ ዝበሉ ነበርቲ ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG