ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተለዓለ ተቓውሞ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ’ሎ


ቀጻሊን ሓደ ሓደ ጊዜን’ውን ህውከት ሓዘልን ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ'ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ ህዝቢ ኦሮሞ ንዝያዳ ፖለቲካዊ ነጻነትን ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነትን ዘለዎ ጠለባት ምላሽ ንምርኻብ ክሳብ ክንደይ’ዩ ምድላዋት ኣሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝለዓል ዘሎ ሕቶ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣባላት ተቓዋሚ ፓርትታት ኣብ ብራስለስ ንኣባላት ፓርላማ ኣውሮጳ መርብሂ ሂቦም ኔሮም።ኣብዚ ርኽብ ምስ አባላት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ 2016 ኣብ ምዝዛም ውድድር ኣእዳው ሓፍ ብምባል ምልኽት ተቓውሞ ዘርኣይ ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ መደረ አስሚዑ።

መራሒ ተቓዋሚ ግንባር አርበኞች ግንቦት 7 ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ’ውን ኣብቲ ርኽብ ምስ አባላት ሕብረት ኣውሮጳ ተረኺቦም ኔሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተለዓለ ተቓውሞ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:11 0:00

XS
SM
MD
LG