ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ኦጋዴን ንዝንቀሳቐስ ናይ ካናዳ ኩባኒያ ኣጠንቂቑ


Ogaden Oil Exploration Region
Ogaden Oil Exploration Region
ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ክልል ሶማሊያ ነዳዲ ንምውፃእ ይሰርሕ ንዘሎ ንናይ ካናዳ ኩባንያ ነዳዲ ኣጠንቂቑ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ጉጅለ ንዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከሰናኽል ዝኽእል ስግኣት ናይ ምፍጣር ዓቕሚ የብሉን ኢሉ’ሎ።

ንመራኸቢ ብዙሃን ዝተልኣኸ መግለፂ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን/ኦብነግ/ኣፍሪካ ኦይል ዝተብሃለ ትካል ንናይቲ ክልል ነዳዲ ንምምዝማዝ ውዲት ይፈጥር ኣሎ ክብል ይኸስስ።

ወሃቢ ቃል ኦብነግ ሓሰን ዓብዱላሂ ኮርፐረሽን ኣፍሪካ ኦይል እቲ ዓማፂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ስምምዕ ክሳብ ዝፈጥር ስራሕቱ ጠጠው ከብል ኣለዎ ኢሎም።
ኣብዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ውሽጢ ኦጋዴን ዓሰርተ ዝኾኑ ከበድቲ ውግኣት ተኻይዶም እዮም ዝበሉ ኣቶ ሓሰን ህዝቢ ኦጋዴን ንግንባርና ብፖለቲካ ይኹን ብውግእ ሓገዙ እናሃበ ይርከብ ኢሎም።

ልዕሊ 150 ወታደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ በብወርሑ ንኦብነግ ኢዶም እናሃቡ ከምዝርከቡ’ውን እቶ ሓሰን ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ናይ ሰላም ዝርርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክትቕበሉ ኣለኩም ዝብል ቅድመ ኹነት ስለዘቐመጠ እቲ ዝርርብ ከምዝፈሸለን ንቕድሚት እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድመ ኩነት ክሳብ ዘየቕመጠ ንምልዛብ ቅሩባት ምዃኖምን ገሊፆም።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ምንስቴር ዲኤታ ርክብ ህዝብን ዲፕሎማስን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብዝሃብዎ መልሲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን/ኦብነግ/ ኢና ዝብሉ ብዙሓት ውልቀሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ከምዘለው ብምግላፅ ኦብነግ ናይ ኣፍሪካ ኦይል ይኹን ንዝኾአን ይኹን ምንቅስቓስ ከሰናኽል ዘኽእሎ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወታደራዊ ሃለዋት የብሉን ኢሎም።

ብዝተፈላለየ ደረጃ ናይ ኦብነግ ተወከልቲ ኢና ዝብሉ ሰባት ኣብ ናይሮቢ፣ኣብ ለንደን፣ኣብ ኣስመራ ዘለው ብርክት ዝበሉ ንባዕሎም ኦብነግ ኢሎም ዝፅውዑ ከምዘለው ንፈልጥ ኢና ዝበሉ ኣቶ ጌታቸው ኣስዒቦም ‘’ካብዚ ወፃኢ ግን ኦብነግ ዝብሃል ውድብ ብረት ተዓጢቑ ናይ ኣፍሪካ ኦይል ይኹን ናይ ገለ ምንቅስቓስ ክዓግት ዘኽእሎ ሓይሊ የብሉን።’’
XS
SM
MD
LG