ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ኣሜሪካ ኣገዳሲ'ዩ' ኢሎም ፕረዚደንት በራክ ኦባማ


President Barack Obama. Stavros Niarchos, Athens
President Barack Obama. Stavros Niarchos, Athens

ኣብ ኣውሮጳ መገሻ ይፍጽሙ ዘለው ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ ኣብ ኣተንስ ግሪክ ኣብ ዘስምዕዎ ዓብዪ መደረ 'ኣብ ኣሜሪካ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ምፍጻም ኣገዳሲ'ዩ' ኢሎም።

ኣብ ማእከል ባህሊ ኣቴንስ መደረ ዘስምዑ እቶም ፕረዚደንት 'ምርጫ ኣሜሪካ ዴሞክራሲ ከምዝሰርሕ ዘርኢ ጽቡቅ ኣብነት'ዩ' ኢሎም።

'ኣነን ተመራጺ ፕረዚደንትን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ኣለና። ግን ዴሞክራሲ ሃገርና ካብ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ'ዩ፣ ስለዝኾነ እዩ ከም'ቲ ዝሓለፈ ቅነ ዝራኣኽምዎ ስልጣን ናይ ምቅባል ባህሊ ዘለና' ኢሎም እቶም ፕረዚደንት።

XS
SM
MD
LG