ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ኦባማ ስምምዕ ኑክልየር ኢራን ርኡይ ዓወት ምምዝጋቡ ገሊጾም


ካብ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝተወጽኡ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝሳተፍሉ ዘለው ዋዕላ ኑክልየር 2016 ዋሽንግተን ዲሲ፡ ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢራን ዝተበጽሐ ውዕል ዝርአ ዓወት ዝተረኽቦ’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ፕረዝደንት ኦባማ ነዚ ዝገለጹ ነዚ ስምምዕ ኑክልየር ኢራን ክበጻሕ ዝሓገዙ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ድሕሪ ምርኻቦም’ዩ። እዚ ጉጅለ ብተወሳኺ ምስ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኑክልየር ዋሽንግተን ዲሲ ጎናዊ ርኽብ ምክያዱ’ዉን ተፈሊጡ።

ፕረዝደንት ኦባማ ብተወሳኺ ከም ውጽኢት እዚ ዝርርብ ዓለም ኣብ ምዝዛም ኑክሌራዊ ድሌታት ኢራን ተግባራዊ ለውጢ ክትዕዘብ’ያ ኢሎም።

‘ክሳብ ሕጂ ኢራን ክልተ ሲሶ እቲ ዝተከዘነ መንፊት ዘልገሰት ክትከውን ከላ 98 ሚእታዊት እቲ ዝአከበቶ ዩራንዮም ድማ ካብ ሃገራ ኣውጺኣቶያ። እቲ ናብ ዒራቕ ዝዓለመ ድማ ብካሻትሩዝ ዝመልአቶ ኮይና ኢራን ነዚ ስምምዕ እንተጥሒሳ’ውን እቲ ንምስራሕ ኣጽዋር ኑክልየር ዘድልይ ጊዜ ካብ ክልተ -ሰለስት ወርሒ ናብ ሓደ ዓመት ክድይብ’ዩ።

ፕረዝደንት ኦባማ ብተወሳኺ እዚ ዋዕላ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት ንምግምጋም ጽቡቅ ዕድል ምኻኑ ይገልጹ። ኢራን ብወገና ካብቲ ስምምዕ ዝርከብ ጥቕሚ ኣብ ምልዓል እገዳ ከምዝተዓዘበት ገሊጾም፡ ምስ ኢኮኖሚ ዓለም ዳግማይ ንምውህሃድ ግን ጊዜ ከም ዝወስደላ ኣይሓብኡን።

ፕረዝደንት ኦባማ ትማሊ ሓሙስ ንተሳተፍቲ’ዚ ዋዕላ ናይ ድራር ግብዣ ዘካየዱ ኽኾኑ ከለው ኣብ ኣጨቃጫቒ ዝኾነ ጉዳይ ምምዕባል ምውናን ኣጽዋር ኑክልየር ሰሜን ኮርያ ድማ ቀንዲ ትኩረት እቲ ግብዣ ኔሩ።

ዝደሐረ ምንቅስዋስ ሰሜን ኮርያ ሎሚ ዓርቢ ዘጋጠመ ኮይኑ እዚ ድማ መራኸቢ ብዙሃን ደቡብ ኮርያ ሰሜን ኮርያ ኣብ ማያዊ ክፋላት ጃፓን ባለስቲክ ሚሳይል ተኩሳ ዝብል ዜና ድሕሪ ምዝርገሐን’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያ፡ ደቡብ ኮርያን መሻርክተን ዝጸንሐ ወጥሪ ክብ ኣቢልዎ’ሎ።

ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ምሳሕ ፕረዝደንት ኦባማ ምስ መራሕቲ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ዝተራኸቡ ኮይኖም ብዛዕባ ሓባራዊ ጻዕሪ ኣብ ምጉዳል ኣጽዋር ኑክልያር ኣብ ፔንሱላ ኮርያ ተዘራሪቦም።

ድሕሪ’ቲ መጋቢት 22 ኣብ ብራስለስ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ግብረ-ሽበራ፡ ኣሜሪካን ካልኦት ሓያላት ሃገራትን እዋናዊነት ምውሓስ ኑክራላዊ ንጥረ-ነገራት ብምርዳእ ኣብ ኢድ ግብረ-ሽበራዊያን ከይወድቑ ኣድላይ ጥንቓቐ ክግበር ይጽውዑ።

ገለ ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ’ውን ካብ ሃገራት ግዳያት መጥቓዕትታት ግብረ-ሽበራ ዝኾና ሃገራት’ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዝደንት ኦባማ ስምምዕ ኑክልየር ኢራን ርኡይ ዓወት ምምዝጋቡ ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:57 0:00

XS
SM
MD
LG