ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዘተ ንምጅማር ዝዳለው ኢህወዲግን ፓርትታት ውሽጢ ሃገር መራሕቲ ዘተን አጀንዳን መሪጾም


ፋይል- ቅድመ ዘተ ኢህወዲግን ፓርትታት ውሽጢ ሃገር
ፋይል- ቅድመ ዘተ ኢህወዲግን ፓርትታት ውሽጢ ሃገር

ኣብ ኢትዮጵያ ዘተ ንምጅማር ይዳለው ዘለው ገዛኢ ፓርቲ (ኢህወዴግን) ናይ ውሽጢ ሃገር ፓርትታትን ካብ መንጉኦም ሰለስተ ቀወምቲ መራሕቲ’ቲ ዘተ መሪፆም።ናይ ዘተ ኣጀንዳ ዘዋድድ ኮሚቴ እውን መሪጾም ኣለው።

እቶም ውድባት 11 ሚያዚያ ኣብዘሳለጥዎ ኣኼባ ንሰለስተ ቀወምቲ መራሕቲ ዘተ ብምስጢር ምምራፆም ናይ መኢኣድ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ ገሊፆም።ምኽትል ቀዳማይ ፕረዝደንት መኢኣድ ኣቶ ኣሰፋ ሃብተወልድ ኣቦ መንበር፣ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢዴፓ ኣቶ ዋስይሁን ተስፋየ ምኽትል ኣዛታይ ካብ ኣዲስ ትውልድ ፓርቲ ኣቶ ኣለማየሁ ድማ ሳልሳይ ኣዛታይ ብምዃኑ ምምራፆም ሓቢሮም።

ኣቶ ሙሉጌታ ወሲኾም ኣብ ጉዳይ ስነድ መዛተይ ዝርርብ ስለዝተዛዘመ ኣጀንዳ ዘዋድድ ክልተ ካብ ተቓወምቲ ሓደ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ዝሓቖፈ ሰለስተ ኣባላት ዝርክብዎ ኮሚቴ ብምጥያሽ ዘተ ተጀሚሩ’ሎ ኢሎም ።

“ድሕሪ ሕዚ ኣብ ዝቕፅሉ 15 መዓልታት ኣጀንዳታት ተወዲቦም ክቐርቡ እዮም።ኣጀንዳ ዘዋድድ ኮሚቴ ነቲ ኣጀንዳ ኣዋዲዱ ንኣቦ መንበር ምስ ኣቕረበን እቲ ኣቦ መንበር ምስ ኣረጋገፆን ንኢህወዴግ ሓዊሱ እቶም ፓርትታት ኣኼባ ክፅውዕ እዩ።”

ኣብ ኣጀንዳታት ስምምዕ ምስተበፅሐ እቲ ቀንዲ ልዝብ ከምዝጅመር ናይ መኢኣድ ምኽትል ፕረዝደንት ወሲኾም ገሊፆም።

መድረኽን ሰማያዊ ፓርትን ሎሚ እውን ኣብቲ ድርድር ከምዘይተሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG