ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጥም ሞት ሰለስተ ርብዒ ብሰንኪ ምስ ከባቢ ሓለዋ ዝተአሳሰር’ዩ ይብል


ፋይል- ኣብ ፓኪስታን ዝርከብ ሆስፒታል
ፋይል- ኣብ ፓኪስታን ዝርከብ ሆስፒታል

ኣብ ዓለም በብዓመቱ ካብ ዝሞቱ 12.6 ሚሊዮን ሰባት ኣስታት ርብዒ ብሰንኪ ምስ ከባቢያዊ ሓለዋ ዝተኣሳሰረ እዩ ክብል ሓድሽ መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ይግምት። እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ንከባቢያዊ ኩነታት ብምምሕያሽ ንመብዛሕቲኡ ሞት ምክልኻል ይክኣል እዩ ይብል።

ብኽለት ኣየር፣ማይን ሓመድን፣ንኬሚካል ምቅላዕ፣ለውጢ ኩነታት ኣየርን ካብ መጠን ንዝለዓለ ጨረር ምቕላሕን ጠንቂ ልዕሊ 100 ሕማማትን መቑሰልትን እዮም።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ብበዝሒ ይቐትሉ ዝነበሩ ሕማማት ምስ ትሑት ኣተሓሕዛ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ጽሬትን ምስ ኣተሓሕዛ ጉሓፍን ተኣሳሲሩ ዝልዓል ከም ተቕማጥን ዓሶን ዝበሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ነይሮም።

ሰባት ዝሓሸ ጽሩይ ዝስተ ማይ ናይ ምርካብ ዕድሎም እናወሰኽ ስለዝኸደ ግን ኣብቶም ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብሰንኪ ተላገብቲ ሕማማት ዝጠፍእ ህይወት ሰብ እናነከየ እዩ መጺኡ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓላፊት ጥዕና ህዝቢን ከባቢያዊ ሓለዋን ዝኾና ማሪያ ነይራ ሞት 8.2 ሚሊዮን ሰባት ምስ ብኽለት ከባቢያዊ ኣየር ዝተኣሳሰረ እዩ ይብላ።

‘የጋጥመና ዘሎ ዝዓበየ ጸገም ጥዕና ህዝቢ እዩ ተላገብቲ ሕማማት እዮም።ነዞም ሓደጋታት ከባቢያዊ ኩነታት እንተ ኣወጊድናዮም ሓደገኛ ሕማማት ይጎድሉ ኣለዉ ማለት እዩ።’

ዳርጋ ክልተ ሲሶ ዝኾኑ ብሕማማት ልቢ፣ብመንሽሮን ከቢድ ምስ ምትንፋስ ዝተአሳሰር ጸገማትን ህይወቶም ዝስእኑ ብሰንኪ ጸገም ከባቢያዊ ሓለዋ እዩ።ሃገራት ድማ ንሕክምና ካብ ዘውጽእኦ ገንዘብ ንምክልኻል ዘውጽእኦ ገንዘብ ኣዚዩ ውሑድ እዩ ይብላ ነይራ።

ንጥዕና ካብ ዝወጽእ ብትሪሊዮናት ዝቁጸር ዶላር እቲ 97 ሚእታዊት ንምሕካምን ክንክንን ሕማማት ይውዕል፡ ንምክልኻል ዝውዕል ድማ ሰለስተ ሚእታዊት ጥራሕ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም /WHO/ መግቢ ንምብሳል፣ማይ ንምውዓይን ንመብራህትን ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ኣገባባት ብምምሕያሽ፣ጽሩይ ዝስተ ማይ ብምጥቃምን ጽሬት ብምሕላውን፣ኩነታት መጎዓዚያ ከተማታት ብምምሕያሽን ኣባይቲ ዝሓሸ ኣገባብ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤልክትሪክ ክህልወን ብምግባርን ከባቢያዊ ሓለዋ ንክመሓየሽን ንሕማማት ንምክልኻልን ከምዝክኣል ይምዕድ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG