ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2,300 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


2,300 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:05 0:00

2,300 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

ትማሊ ሓሙስ 18 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብህይወት ኣድሕን ስርሒታት ኤስኦኤስ ሜዲተራንያንንን ትካል ሓካይም ብዘይ ዶብ 2,300 ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ምድሓኖም ተገሊጹ።

እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ 22 ነአሽቱ ብቑዓት ዘይኾኑ ጀላቡ ተጻዒኖም ከምዝነበሩ እተን ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየዳ ትካላት የረድኡ።

እተን ትካላት ወሲኸን እቶም ስደተኛታት ፍልሰተኛታትን ካብተን ተጻዒኖምለን ዝነበሩ ጀላቡ ምስ አደሓኑ ምክትታል ማያዊ ዶባት ሊብያ ነተን ተጻዒኖሙለን ዝመጹ ጀላቡ ምቅጻሎም ብምግላጽ እዚ ተግባር አስር ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ከይርኸብ ንምግባር ዝተገብረ እዩ ክብሉ’ውን ይኸሱ።

ካብቶም ትማሊ ሓሙስ ዝደሓኑ ስደተኛታት 10 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ካልኦት አላይ ዘይብሎም 90 ህጻናትን 10 ነፍሰጾራት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝርኸብዎም ተገሊጹ’ሎ።

ዝበዝሑ እቶም ስደተኛታት ዜጋታት ናይጀርያ፡ሱዳን፡ሞሮኮን ባንግላዴሽን ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ዓመት ጣልያን ዝበጽሑ ስደተኛታት ፍልሰተኛታት ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ35 ሚእታዊት ምውሳኹ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG