ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ትማሊ 1800 ስደተኛታት ከምዘድሓነ ተሓቢሩ


ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ትማሊ ባሕቲ ነሓሰ ጥራይ ናብ ደቡባዊ ኢጣልያ ይጉዓዙ ንዝነበሩ 1800 ስደተኛታት ከምዘድሓነ ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ኣፍሊጡ።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ትማሊ ምስ ካልኦት ኣካላት ተወሃሂዱ 16 ስርሒት ብምክያድ’ዩ ነቶም ስደተኛታት ከምዘድሓነ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፤ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ 411 ስደተኛታት ካብ ገማግም ሊብያ ከምዘድሓነ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ እቶም ስደተኛታት ኣብ ሰለስተ ንኣሽቱ ጀላቡ ተጻዒኖም ካብ ሊብያ ናብ ደቡባዊ ኢጣልያ የምርሑ ዝነበሩ’ዮም።

እቶም ስደተኛታት 35 ማይልስ ካብ ገማግም ሊብያ ርሒቖም ድሕሪ ምድሓኖም ናብ ኮርሲ ዝተባህለት መርከብ ኢጣልያ ከምዝተሰጋገሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብወገኑ: ሬሳታት ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ከምዝረኸበ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጆኤል ሚልማን ከምዝሓበሮ፤ እዞም ዝተረኽቡ ሬሳታት ካብታ ኣቐዲማ ምጥሓላ ዝተረጋገጸ መርከብ ዘይኮኑ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ማለትኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልታት ምዃኑዩ ኣብ ገማግም ሊብያ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ንሱ እዚ ሓበሬታ ምስኦም ምትሕብባር ካብ ዝገብሩ ዘለው ሰበስልጣን ሊብያ ከምዝረኸቦ ድማ ኣብ ጀነቭ ስዊዘርናላድ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረዲኡ።

ላዕለዋይ በዓል መዚ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ፈለማ እዚ ዓመት ኣትሒዙ ቁጽሪ ካብ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ እናተበገሱ ኤውሮጳ ዝኣተው ስደተኛታት 93,611 ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

ኣስታት 3116 ዝበጽሑ ድማ ኣብ ጉዕዞ ዝተሰወሩ ወይድማ ዝሞቱ ከምዝኾኑ ድማ ላዕለዋይ በዓል መዚ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመትዚ ጥራይ ብደረጃ ዓለም 4,027 ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ሞይቶም ኣለው።

ሰለስተ ርብዒ ናይዚ ኣሃዝ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ጆኤል ሚልማን ኣፍሊጡ። ንሱ ብተወሳኺ እዚ ኣሃዝ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ሸውዓተ ወርሒ ክወዳደር ከሎ ብ 35 ሚእታዊት ዕቤት ከምዘርኣየ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG