ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 453 ስደተኛታት ናብ ሲሲሊ ወደባዊት ከተማ ኣጎስታ ኣትዮም


እዞም 453 ስደተኛታትን ሸውዓተ ሬሳታትን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ናይ ሲሲሊ ወደባዊት ከተማ አጎስታ ምእታዎም ተገሊጹ።

እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ክኾኑ ኸለው ዝበዝሑ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ምኳኖምን ገለ ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብጹሓት ወርሒ ነፍሰጾራት ምዃኖም ተገሊጹ’ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ጥራይ ኣስታት 9,000 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ይግለጹ። ብተወሳኺ እዞም ትካላት እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ብቑዓት ብዘይኾኑ ጀላቡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ተጻዒኖም ካብ ሊብያ ምብጋሶም ይሕብሩ።

እዞም ስደተኛታት ካብቶም አስታት 200,000 ዝግመቱ ብጉጅለ ገበነኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኑ ማእከላት ሊብያ ተታሒዞም ዝጸንሑ ም\ኳኖም ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት (IOM) ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG