ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፋብሪካ ሞተር ከተማ መቐለ


ፋብሪካ ሞተር ከተማ መቐለ
ፋብሪካ ሞተር ከተማ መቐለ

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጣየሸ ፋብሪካ ሞተር ኢትዮጵያ ናይ ፈተነ ስራሓቱ ዛዚሙ፤ ሞተር ናብ ዕዳጋ ንምውዓል ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።

ሰለስተ ብርክታት ሞተር ካብ ዕዳጋ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ናብ ዕዳጋ ሃገራት ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ከምዘቕርብ ሓላፊ እቲ ፋብሪካ ንድምጺ ሬድዮ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለዉ።

ሓላፊ እቲ ፋብሪካ ሻምበል ግርማይ ብርሃነ ፋብሪካ ሞተር መቐለ ኣብ ትሕቲ ትካል ኢንጅነሪንግ ሓፂነ መፂን ዝርከብን ዕላማ እዚ ትካል ድማ ብኢንዳስትሪ ዝሃብተመት ሃገር ንምህናፅ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ፋብሪካ ሞተር ከተማ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:38 0:00

እቲ ፋብሪካ ኣብ መዓልቲ 100 ነኣሽቱን 100 ማእኸለዎትን ሞተራት ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ከምዘለዎ ሻምበል ግርማይ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ካብቶም ተሰሪሖም ንመሸጣ ቐሪቦም ዘለዉ ሞተራት እቶም ነኣሽቱ ብፍላይ ንሓረስቶት ልዑል ረብሓ ክህልዎን እዩ፤ ንኣብነት ሓደ ሓረስታይ ሓንቲ ሞተር እንተዓዲጉ ንማሕረስ ይጥቀመላ፣ ማይ መስኖ መስተዪ ኰይና ተገልግሎ፣ ፍልፍል መብራህቲ ትኾኖ ከምኡ እውን ንመጓዓዓዚኡ እውን ከውዕላ ይኽእል ብምባል ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ይዛረቡ።

ምስ ሓላፊ ፋብሪካ ሞተር ከተማ መቐለ ሻምበል ግርማይ ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።

ፋብሪካ ሞተር ከተማ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:45 0:00

XS
SM
MD
LG