ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማርክ ካቨንዲሽ ካብ ውድድር ዙር ፈረንሳ ኣቋሪጹ


ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ማርክ ካቨንዲሽ
ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ማርክ ካቨንዲሽ

እንግሊዛዊ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃዊት ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ዝኾነ ማርክ ካቨንዲሽ ኣብ ናይ ሎም ዘበን መበል 103 ቱር ዲ ፍራንስ ኣርባዕተ ናይ መድረኽ ዓወታት ድሕሪ ምሕፋስ ውድድሩ ከምዘቋረጸ ትማሊ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ ብመገዲ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ክኸውን እንከሎ: ቀንዲ ምኽንያት ምቁራጽ ማርክ ካቨንዲሽ ካብ ውድድር ዙር ፈረንሳ: ኣብ ዝቕጽል ውድድር ኦሎምፒክስ ንምስታፍ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ማርክ ካቨንዲሽ
ብሪጣንያዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ማርክ ካቨንዲሽ

እቲ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ: ካቨንዲሽ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ በዚ ዘለዎ ኩነታት እንተቐጺሉ: ኣብ ሪዮ ኣብ ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክስ ብጥዕናዊ ምኽንያት ክጎናደብ ከምዝኽእል'ዩ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ማርክ ካቨንዲሽ ሓደ ካብ ህቡባት ተቐዳደምቲ ቅጽበታዊ ውድ ድር ማለት ቮላቺስታ ኮይኑ ነዚ ውድ ድር ቱር ዲ ፍራንስ ኣብ ክለብ ዳይመንሽን ዳታ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝተጸንበረ ኣርሓ እታ ክለብ ኮይኑ ዝቐነየ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ማዕረ ካቨንዲሽ ኣርባዕተ መድረኽ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዙር ፈረንሳ ዝተዓወተ የለን። እዚ ድማ ካቨንዲሽ ብቕዓቱ ፍሉይ ክገብሮ ክኢሉ ኣሎ። ንሱ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኩሉቲ ናይ መድረኽ ዓወታቱ ብናይ ሓባር ሓገዝ ኣባላት ክለቡ ምዃኑ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ቪድዮ መድረኽ 14 ዙር ፈረንሳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:13 0:00

ቪድዮ መድረኽ 14 ዙር ፈረንሳ

XS
SM
MD
LG