ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣይሰላም ኣይኹናት' ኢትዮ-ኤርትራ (2ይ ክፋል)


መዋስንቲ ክልቲኤን ሃገራት
መዋስንቲ ክልቲኤን ሃገራት

ቀንዲ ፍታሕ 'ነቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ'ዩ' ዝበሉ ኣጋይሽና ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ጸገም ዘይፈትሑ እንተኾኖም ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ፍልይ ዝበለ ፖሊሲ ክትግብር ይግባእ' በሉ።

'ኣብ ትግራይ ዝራኣይ ናይ ኢንቨስትመንግ ጸገም ፍሉይ ትኹረት ገይሩ፣ ሰብ ሃብቲ ይኹኑ ናይ ውልቂ ልምዓታዊ ትካላት ኣብ'ቲ ክልል ልምዓታዊ ስራሕቲ ዝፍጽምሉን ዘካሓሕሱሉን መንገዲ ክህሉ፣ ልቓሕ ክዳሎ፣ ጸጥታዊ ጸገም ካኣ ውሕስና ዝዋሃበሉ ፍሉይ ኣገባብ ክህሉ ኣለዎ ኢልና ኢና ነቲ ደብዳቤ ኣዳሊናዮ' ይብሉ ኣጋይሽና።

'ኣብ'ቲ ከባቢ ዝቃልሑ ኩናትን ወረ ኩናት ፕሮፓጋንዳ ንህዝቢ ምድንጋራትን ዘይቅሳነትን ይፈጥሩ ስለዘሎ፣ እዚ።'ውን ደው ክብል ይግባእ' ይብል ጋሻና።

'ክልቲኦም ኣጋይሽ፣ ትግራይ እንተለሚዓ መጠመቲት ኢህወዴግ ክትኮን ስለትኽእል ስለስልጣን ተባሂሉ ትግራይ ንድሕሪት እንተተረፈት'ዩ ገዛኢ ፓርቲ ትግራይ ህወሓት ዝመርጽ' እውን ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:10 0:00

XS
SM
MD
LG