ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ምርመራ ኣብ ጉዳይ ኢሜይል ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ሂላሪ ክሊንተን ዘይሕጋዊ’ዩ ክብሉ ሰብ ሞያ ሕጊ ርእይትኦም ሂቦም


ዳይሬክተር ፈደራል ቢሮ ምርመራ ጄምስ ኮመይ
ዳይሬክተር ፈደራል ቢሮ ምርመራ ጄምስ ኮመይ

ካብቲ ካብ መጀመርያ ውጥረት ዝበጽሖ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ 2016 ኽካየድ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተረፎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓድሽ አዋጣጢ ጉዳይ ገጢምዎ’ሎ።

እዚ ጉዳይ ኢሜይል ሂላሪ ክሊንተን ሓድሽ ጉዳይ ምቅልቓሉ’ዩ። እተን ሕጽይቲ ፕረዚደንት ፓርቲ ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ኣብ እዋን ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ዝነበራሉ ኣብ አጠቓቕማ መልእኽትታት ኢሜይል ኣብ ኽንዲ መንግስታዊ መስመር መተሓላለፊ ብናይ ውልቐን ስለዝተጠቕማ እዩ። ዳይሬክተር ፈደራል ቢሮ ምርመራ ቕድሚ ሒደት አዋርሕ ኣብዚ ጉዳይ ሕጊ ከምዝተጣሕሰ መርትዖ የለን ኢሎም እንተነበሩ’ኻ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ግን እቲ ጉዳይ እንደገና ክምርመር ምኻኑ እዮም ኣፍሊጦም።

ዲሞክራት ኮነ ሪፖብሊካን ግን ፕረዝደታዊ ምርጫ ክኻየድ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውዳስ ዘይሕጋዊ እዩ ይብሉ ኣለው።

ዳይሬክተር ፈደራል ቢሮ ምርመራ ጄምስ ኮመር ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣብ ኮምፒተር ቀንዲ ተሓጋጋዚት ሂላሪ ክሊንተን ዝኾነት ሁማ አበዲን ንዘሎ ኢሜይል ክንምርምር ኢና ክብሉ አፍሊጦም።

እዚ ዝኾነሉ በዓል ቤት ሁማ አበዲን ምስ ትሕቲ ዕድመ አዋልድ ዘይግቡእ ጾታዊ መልእኽትታት ተለዋዊጡ እዩ ብዝብል ምርመራ ኽካየድ ድሕሪ ምውሳኑ ኽከውን ኸሎ ሰብ ሞያ ሕጊ ግን እቲ ደብዳብ ምርጫ ክካየድ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ ምውጽኡ ዘይሕጋዊ እዩ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG