ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያዊያን ብኣልሸባብ ንዝተቐትሉ አባላት ዓቃብ ሰላም ይዝኽሩ


ኬንያዊያን ኣልሸባብ ኣብ ሶማል ኣብ ሓደ ወታሃደራዊ መደበር መጥቓዕቲ ፈጺሙ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኬንያዊያን ወታሃደራት ዝቐትልሉ ፈላማይ ዓመት ሎሚ ኣኽቢሮም።

እዛ ዕለት ብፍላይ ንስድራን ፈተውትን’ቶም ግዳያት ኣዝያ መራር ዕለት ምዃና ተገሊጹ’ሎ።

15 ጥሪ 2016 አል ሸባብ ኣብ ሶማል ዞባ ጎዶ ኬንያዊያን ዓቀብቲ ሰላም ንዝሰፈረሉ ወታደራዊ መደበር ኤል አደ ኣብ ዘጥቕዕሉ ልዕሊ 100 ወታሃደራት ኬንያ ከምዝተቐትሉ ይዝኸር።ገለ ምንጭታት እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ይገልጹ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሰነ 2015 ዓ.ም 50 ብሩንዳዉያን ዓቐብቲ ሰላም ብኣል ሸባብ ኣብ መደበሮም ከምዝተቐትሉ’ውን ይዝኸር።

XS
SM
MD
LG