ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማሃሮ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አኻይዶም


ጅማ ዩኒቨርሲቲ
ጅማ ዩኒቨርሲቲ

ኣብ ኢትዮጵያ ተማሃሮ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ትማሊ ሰንበት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣኻይዶም።

ኣብ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ቀጽሪ ኪቶ ፋርዲስ ትማሊ ምሸት ንክልተ ሰዓታት ተማሃሮ ሰልፊ ዘኻየዱ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ዝትግበር ንነጀው ሓይልታት ጸጥታ ለይቲ ለይቲ እናመጹ ተማሃሮ ይወስዱ’ለው ዝወሰድዎም ኸአ አበይ ከምዘእተዎም ኣይንፈልጥን ብዝብል ምኻኑ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ተማሃሮ ሓቢሮም።

እዞም ተማሃሮ ብተወሳኺ ዶ/ር ፍቓዱ አሰፋ ዝተባህለ መምህር እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣበይ ከምዝተወስደ ኣይተፈልጥን ይብሉ።

“ትማሊ ምሸት ተቃውሞ ሰልፊ አብ ካምፓስ ተኻይዱ። ድሕሪ አዋጅ ኮማንድ ፖስት ተማሃሮ ተወሲዶም አበይ ከምዘአተው ኣይፍለጥን።” እቲ ሕቶ’ቶም ተማሃሮ እቲ ኮማንድ ፖስት ይገለጸልና። ዝተአሰሩ ተማሃሮ ይፈትሑ ዝብል ምንባሩ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዕላምኦም ካብ ሎሚ ሶኑይ ክሳብ ዓርቢ ትምህርቲ ደው ናይ ምባል አድማ ምግባር ምኳኑ’ውን ስማ ከይግለጽ ዝሓትት ተማሃሪት ሓቢራ መብዛሕትኦም እቶም ዝእሰሩ ዘለው ተማሃሮ ካብ ቀጽሪ ትምህርቲ ምሕንስና ምኳኑ ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

ተማሃሮ ጅማ ዩኒቨርሲቲ ተቓውሞ ሰልፊ አኻይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:31 0:00

XS
SM
MD
LG