ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፍሪ ምርጫ ገዛኢ ፓርቲ ናብ ጂማ ኣምሪሑ


Jimma Airport
Jimma Airport

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሎሚ መሪቆም ዝኸፈትዎም መሰረተ ልምዓት ዋጋኦም ክሳብ 1 ቢልዮን ቅርሺ ከምዝኸውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ 1956 ዝተሃነፀ መዕርፎ ነፈርቲ ጂማ ኣባ-ጂፋር፣230 ሚልዮን ቅርሺ ተመዲቡሉ ዓቅሙ ብምሕያል ሎሚ ንገዘፍቲ ነፈርቲ ዘተኣናግድ ኮይኑ’ሎ።ኣብ ሓደ እዋን ንኣጋይሽ ተቐቢሉ ዘተኣናግደሉ ዓቅሙ በሰለስተ ዕፅፊ ንብምውሳኽ ን118 ተሳፈርቲ ክቅበልን ከስንይን ከምዝኽእል መንግስቲ ኣፍሊጡ’ሎ።

ስለድሕነትና ክንብል መንነትና ክጥቀስ ኣይንደልን ዝበሉ ወሃብቲ ሪኢቶ ንቪኦኤ ብመሰረት ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ኣብ’ታ ከተማ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ምህናፆም ኣሞጊሶም፣ብርክት ዝበሉ ፀገማት ምምሕዳርን መሰልን ከምዘለው’ውን ይሕብሩ።

ኣብ ጂማ ገዛኢ ፓርቲ ይኹን ተቃወምቲ ዝሳዓረ ይስዓር ንማሕበረ-ሰባዊ ምዕባለን ንነባራይ ምምሕያሽ መነባብሮን ክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሎም። ኣብ ካልኦት ክልላት ርኡይ ዝኾነ ፀገም ድኽነት ኣብ ጂማን ከባቢኣን’ውን ብስፍሓት ዝራኣይ’ዩ።ብሕልፊ ኣብ ገፀራት።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:10 0:00

XS
SM
MD
LG