ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`እስራኤል ወይ ኣይሁዳዊት ወይ ዲሞክራሲያዊት`ምበር ክልቲኡ ክትከውን ኣይትኽእልን` -ጆን ከሪ


ሚንስትር ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ከሪ፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ `ሎ ዝበልዎ ፡ ንእስራኤልን ፍልስጤማውያንን ከም ክልተ መንግስታት ክቖማ ዝብል መርገጽ ኣሜሪካ ንምዕቃብ ናይ መወዳእታ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

ጆን ከሪ ሎሚ ኣብ ቤትጽሕፈቶም ኮይኖም ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፡ ሃገሮም ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ንእስራኤል ዝኹንን ውሳነ ድምጺ ተዓቅቦ ምምራጻ ተኸላኺሎም። እቲ ውሳነ፡ እስራኤል ኣብ ግዝኣት ፍልስጤማውያን ትገብሮ ሰፈራ ዝኹንን`ዩ።

እቶም ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ኣብ ዘረብኦም፡ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ነቲ ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ዝዕቅብ`ዩ ኢሎም። “ ንዕኡ ደው ዝበልና ኢና፡ እስራኤል ከም ኣይሁዳዊት ሃገር ወይ ከም ዲሞክራሲያዊት ሃገር ኮይና ንኽትቅጽል” ኢሎም።

መራሕቲ እስራኤል ኮኑ ገለ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ነቲ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ መርገጺ ብኸቢድ ጸፊዖሞ`ዮም- ኣሜሪካ ነታ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዝኣ ከሲራታ እንተበሉ ጆን ከሪ ግን ነቲ ነቔፈታ ነጺጎሞ`ለዉ። እስራኤል ኩልሻዕ ናይ ቀረባ መሓዛና ኮይና ክትቅጽል`ያ ነገር ግን ፖሊሲ ሰፈራ እስራኤል ንመጻኢ ውዕል ሰላም ዓቢ ዕንቅፋት`ዩ ኢሎም።

“መሓዙት መሪር ሓቂ ክነጋገሩ ኣለዎም፡ ምሕዝነት ድማ ሓባራዊ ምክብባር`ዩ ዝጠልብ" ዝበሉ ጆን ከሪ፡ እዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ናብ ፍታሕ ሓንቲ ሃገር ጥራሕ ዘምርሕ`ዩ እዚ ድማ ዝበዝሑ ሰባት ዝደልዩዎ ኣይኮነን ኢሎም።

እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ከም ሓንቲ ሃገር ምንባር ክመርጹ ይኽእሉ`ዮም ወይ ድማ ናብ ክልተ መንግስታት ክምቀሉ ይክእሉ`ዮም ግን ኢሎም “እነሆ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ፡ እስራኤል ወይ ኣይሁዳዊት ወይ ዲሞክራሲያዊት`ምበር ክልቲኡ ክትከውን ኣይትኽእልን።"

ኣሜሪካ ነቲ እስራኤል ትገብሮ ሰፈራ ክትቃወም ጸኒሓ`ያ። እንተኾነ ግን ንእስራኤል ንምሕላው ክትብል፡ ንውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቒማ ክተውድቖ`ያ ጸኒሓ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ድምጸ ተዓቅቦ ብምምራጻ እቲ ንእስራኤል ዝኹንን ውሳነ ክሓልፍ ክኢሉ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG