ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ራዕዲ ዳዕሽ ብጅምላዊ ህልቂት ተሓታቲ’ዩ ተባሂሉ


ጆን ኬርይ ኣብ መግለፂኦም፣ ዳዕሽ ብመሰረቱ ህልቂታዊ’ዩ፣ ብኣተሓሳስባን ብግብሪን፣ ብዝዛረቦን ብዝኣምኖን ዝፍፅሞን በሉ።

‘ዳዕሽ ኣብ ዝቆፃፀሮም ከባቢታት፣ ኣብ ልዕሊ ያዚዲስ፣ ክርስትያናትን ሻዓ ሙስሊምን ብሰንኪ ዝፈፀሞም ግፍዒታት፣ ብናተይ ገምጋም ተሓታቲን ማዕረ ጅምላዊ ህልቂትን’ዮም’ ኢሎም ጆን ኬርይ።

መደምደምታ ጆን ኬርይ ዝተሰምዐ፣ ብመሰረት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ዘቀመጦ ደረት ጊዜ፣ ምምሕዳር ኦባማ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘል ጊዜ ዳዕሽ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ’ዩ ኢሉ ንክገልፆ ብመሰረት ዝሓለፈ ውሳነ’ዩ።

ዳዕሽ ብገበን ምፅናት ተሓታቲ ምግባር ማለት፣ ኣብ ኣሜሪካ ዝተረኽበ ኣባል ዳዕሽ ክኽሰስ’ዩ ማለት’ዩ።

ተንተንቲ ግና፣ ኣሜሪካ ነዚ ጉዳይ’ዚ ናብ መድረኽ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ወይካኣ ናብ ዓለም-ለኸ ቤት ፍርድ ገበን ክተቅርቦ’ያ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ዳዕሽ ዝክተሎ ዘሎ ሜላ ኣጽናቲ'ዩ ይብሉ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:11 0:00

XS
SM
MD
LG