ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኢስታንቡል ቱርኪ ብዘጋጠመ ነብሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 31 ቀቲሉ ካልኦት 147 ድማ ኣቑሲሉ


ኣማሓዳሪ ኢስታንቡል ቫሲፕ ሳሂን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኢስታንቡል ቱርኪ ኣብ ዘጋጠመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 28 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት 60 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።

ድሒሩ ካብ መደበር ተለቪዥን ሲኤንኤን ዝተረኽበ ሓበሬታ ድማ እቲ ቁጽሪ በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ናብ 31 ክብ ኢሉ ኣሎ። ቁጽሪቶም ዝቖሰሉ ድማ 147 በጺሑሎ።


ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ከምዝሓበርዎ እቲ መጥቃዕቲ ብምውህሃድ ተተኮስትን ተፈንጀርትን ዝተቐናበረ ምንባሩ ገሊጾም።

ዋላኳ ቁጽሪቶም ኣጥቃዕቲ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፤ ኣማሓዳሪ ኢስታንቡል ግን ብውሑዱ ሰለስተ ነብሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣሸበርቲ ምንባሮም ሓቢሩ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኢስታንቡል ዘጋጥም ዘሎ መጥቃዕቲ ግብረሽበራውያን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ እዚ ንካልኣይ ግዜኡዩ።

ነብሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢስታንቡል ቱርኪ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:38 0:00

XS
SM
MD
LG