ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሃዮ መጥቃዕቲ ፈጻሚ 'ወትሃደረይ'ዩ' ይብል ዳዕሽ (ISIS)


መጥቃዕቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሃዮ
መጥቃዕቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦሃዮ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ብመኪናን ካራን መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሶማልያዊ 'ካሊፋዊ ወትሃደርና'ዩ' ክብል ዳዕሽ መግለጺ ኣውጺኡ።

ዳዕሽ ኣብ ናይ ሎሚ መግለጺኡ 'ዓብዱለረዛቅ ዓሊ ኣርታን፣ ንዜጋታት ዓለም-ለኸ ሃገራት ጥምረት ንምጥቃዕ ንዝቀረበ ጻውዒት'ዩ መልሰ ግብሪ ሂቡሉ' እውን ኢሉ'ሎ።

ሶማልያዊ ዓብዱል ራዛቅ ዓሊ ኣርታን፣ ቅድሚ ነቲ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ኣብ ፌስቡክ ‘ኣሜሪካ ኣብ ወጻኢ ንሙስሊማት ትቀትል ኣላ ኢሉ ከምዝነቀፈ፣ ንሸኽ ኣል-ቃይዳ ኣንዋር ኣል-ኣውላኪ ከምዝናኣደ’ ሰበ ስልጣን ኣሜሪክ ገሊጾም።

ኣርታን ነቲ ቅትለት ስለምንታይ ንምፍጻም ከምዝካኣለ ነጻርይ ኣለና ዝብሉ ሰበ-ስልጣን፣ ኣብ ጽሑፉ ግና ‘ኣሜሪካ ብ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ መታን ከይትኣቱ ኢሉ፣ ንቢልዮናት ዘይኣመንቲ ንዝበሎም ሰባት ንምቅታል ተቀሪበ ኣለኹ’ ይብል ኣርታን።

‘ሙስሊማት ውልቀ ጥቅዓት ከይንፍጽም ትደልዩና እንተኾይንኩም' ይብል ኣርታን ኣብ ፌስቡክ፣ 'ሰላም ፍጠሩ’ ኢሉ። ‘ንሙስሊማት ሰላም እንተዘይሂብኩም፣ ድቃስ ኣይትረኽቡን’ እውን ከምዝበለ እቶም ሰበ ስልጣን ይገልጹ።

ፖሊስ ኮሎምበስ ኦሃዮ ‘ዓብዱል ራዛቅ ዓሊ ኣርታን፣ ብመኪናኡ ንሓለፍቲ ረጋጊጹ፣ ንሱ ከይኣኽሎ ብካራ ንዝረኸቦም ከምዝወግአን፣ ኣብ መጠረስትኡ ብጥይት ከምዝተቀትለን’ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ’ቲ መጥቃዕቲ 11 ሰላማዊያን ሰባት ቆሲሎም። ብዘይካ ኣርታን ካልእ ዝሞተ ሰብ የለን። ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሶማልያዊ ሕጋዊ ነባሪ ኣሜሪካን ተማሃራይ ንግዲ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ኦሃዮን’ዩ ነይሩ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ መራሕቲ ሙስሊም ኮሎምበስን ከባቢኣን ነቲ ኣርታን ዝፈጸሞ ጥቅዓት ኮኒኖምዎ። ‘ልብና ደምዩ’ሎ’ እውን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG