ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ 21 ጥሪ ተወሳኺ መግለፂ ሂቦም


ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ 21 ጥቅምቲ ኣብ ምንስትር ዜና ኤርትራ ዕግርግር ዘበገሱ ሰባት ከምዝነበሩን፣ኣብ ሓፂር ጊዜ እቲ ኩነታት ከምዘብቀዐን ገሊፆም።ኣቶ ኢሳያስ ሎሚ ምሸት ኣብ ቴሌቭዥን ኤርትራ መግለፂ ሂቦም‘ለው።

21 ጥሪ ኣብ ምንስትር ዜና እንታይ ተፈፂሙ ንዝብል ሕቶ ማዕኸናት ዜና ዝተፈላለየ ትርጉም ከምዝሃብዎ ዝዝከር‘ዩ።መንግስቲ ኤርትራ ኣብ‘ዚ ቀረባ ሓፂር መግለፂ ብፕረዚደንት ከምዝሃበ ዝዝከር‘ዩ።ተወሳኺ ሓበሬታ ሎሚ ዝተሓተቱ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ሰባት ከይዶም ምስ‘ቶም ዝኣደሙ ክዘራረቡ ከምዝተገብረ፣ ሓደ ካብ‘ቶም ዕጡቃት ተኹሱ ንሰብ ከምዝቀተለ፣ ግብረ-መልሲ ኣየድልን‘ዩ ከምዝተባሃለ ኣብ መወዳእታ እቶም ብኣፃብዕቲ ዝቁፀሩ ተደናጊሮም ዝመፁን ዳርጋ ድሕሪ ምሳሕ፣ኩሉ-ሰብ ገገዲፉዎም ከይዱ” ኢሎም።

መንግስቶም ነቲ ኩነታት ብህድኣት ክሕዞ ከምዝመረፀ ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት፣ዕፃ‘ቶም ተሳተፍቲ እቲ ዕግርግር ኣመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ”ኣብ‘ቲ ዕግርግር ዝተሳተፉ መብዛሕተኦም ተጣዒሶምን ተናሲሖምን፣ጥይት ተኹሱ ንሰብ ዝቀተለ ዕጡቅ ግና ኣብ መወዳእትኡ ርእሰ-ቅትለት ፈፂሙ” ኢሎም።
XS
SM
MD
LG