ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን፡ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብሰንኪ ግጭት ዝህቦ ሓገዝ ደው ከብል ከምዝተገደደ ይሕብር


ኣብ ደቡብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ኣፐር ናይል ከተማ ዋዩ ሺሉክ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ዓመፅትን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብሰንኪ ዝተላዓለ ግጭት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት/IOM/ ንኣሽሓት ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ይህቦ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዛት ደው ከብል ተገዲዱ።

ኣብ ከተማ ዋዩ ሺሉክ ውግእ ክልዓል ከሎ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት/IOM/ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቕራብ ንዝተፀገሙ ኣሽሓት ሰባት ይምዝግብ ነይሩ።

ሰራሕተኛ ሓበሬታ እቲ ትካል ኦሊቪያ ሃዶን እታ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተነፃፃሪ ህድእቲ ከምዝነበረት ትገልጽ።እዚ ሓድሽ ውግእ ንነበርቲ ዘሰንበደ ከምዝኾነን እቲ ትካል ንተመዛበልትን ተመዛበልቲ የተኣናግዱ ንዘለው ማሕበረሰባትን ኣገዳሲ ረድኤት ናይ ምቕራብ ተልእኽኡ ኣዛቢዑዎ ይብላ።

“እቲ ውግእ ምስተላዕለ ብዙሓት ስቪላት ንህይወቶም ብምስጋእ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከብ ማእኸል ዱር ሃዲሞም።እቲ ናብ ዱር ምህዳም ግዚያዊ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር፤ገለ ሰባት ናብታ ከተማ ተመሊሶም ሪኢና ኣለና።ካብ ሰንበት ጀሚሩ ብተዛማዲ እቲ ኩነታት ህድእ ኢሉ’ሎ።ከምኡ ክቕፅል ተስፋና ንገብር።”

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ካብ 16 ክሳብ 26 ጥሪ 2017 ዓ.ም ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ኣብ ከተማ ዋዩ ሺሉክ ንሓገዝ መዝጊቡ’ሎ ካልኦት ኣስታት 3,000 ገና ኣይተመዝገቡን።

እቲ ትካል ንክንክን ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ ዝውዕሉ ናይ ፅረየት ኣቑሑት፣ክዳውንትን መፅለልን ክሕግዝ ከምዝፀንሐን እዚ ሓገዝ ደው ምባል ድማ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎን ሰራሕተኛ ሓበሬታ እቲ ትካል ኦሊቪያ ሃዶ ገሊፀን።

ኣብ ከተማ ዋዩ ሺሉክ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ዝጀመረ ውግእ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ናብ ዝርከበሉ ከተማ ማላክልን ከምዝተጋፍሐ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG