ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃን የመንን ብዘጋጠመ ጥምየት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ሞት ዝተቓልዑ’ዮም ተባሂሉ


ፋይል
ፋይል

ካብቶም ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃን የመንን ጥምየት ዘንጸላለዎም ሚልዮናት ሰባት ብዙሓት ብዘይ ገለ ህጹጽ ሓገዝ ዘይብሎም ንሓደጋ ሞት ዝተቓልዑ’ዮም ክብል ዓለኸለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ሶማል፡የመንን ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያን ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ብጽንኩር ህጽረት መግቢ ይሳቀዩ’ለው።ጸገም ሶማል ብዓብዩ ጽንኩር ደርቂ ክኸውን ኸሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት’ኸአ ኹናት ግደ ኔርዎ’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ የመንን ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያን ግን ሰብ ሰርሖ ምክንያታት ከም ጎነጽ፡ ስእነት ጸጥታ፡ ጥሩፍነት፡ ህውከትን ምንቁልቋል ኢኮኖሚን መበገሲ’ቲ ሕጽረት መግቢ’ዩ።

ካብ የካቲት 20,2017 ዓ.ም ንደሓር ኣብ ደቡብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ዩኒቲ ጥምየት ከምዘሎ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ትካል ዓለምለኸ ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ክሳብ ሕጂ 100,000 ሰባት ኣብ ሓደጋ ምህላዎም ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG