ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብብሉፅ፡ፍሉይ ስራሕን ኣገልግሎት ዝተሓረዩ ኢትዮጵያውያን ሓካይም ተሸሊሞም


ዶክተር መኮነን ሓጐስ
ዶክተር መኮነን ሓጐስ

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ሓካይም ሰብ ሞያ ጥዕና ብስርሖምን ኣገልግሎቶም ሽልማት ሂቡ።ሓደ ካብቶም ተሸለምቲ ሓካይም ዶክተር መኮነን ሓጐስ ይበሃሉ። ዶክተር መኮነን ካብ 1984 ዓ.ም ክሳብ ሐዚ ን32 ዓመታት ብዋናነት ላዕለዋይ ክኢላ መጥባሕቲ ብምዃን ዘገልግሉ ዘለው እዮም።

ዶክተር መኮነን ድኻሞም ከይፀብፀቡን ከይተለገሙን እሞ ድማ ብእርኑብ ሞያዊ ሓላፍነት ንዝሃብዎ ኣገልግሎት ልዑል ናእዳን ሽልማትን ረኺቦም ኣለዉ።

"ዶክተር መኮነን ካብ ሞያ ሕክምና ብተወሳኺ ኣብ መፅናዕትን ምርምርን ወፊሮም ኣብ ዘፈር ጥዕና ኢድ ካልኦት ዘይሓለፎ ግብኣት ዘበርከቱ እዮም፤ ከምኡ እውን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮለጅ ሳይንስ ጥዕና ብምምሃር ብርክት ዝበሉ ሰብ ሞያ ዘፍረዩ ምስጉን በዓል ሞያ እዮም" ይብል ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተወሃበ መግለፂ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ምስቶም ላዕለዎት ሓካይም ብተወሳኺ ኣብ ስራሓት ጥዕና ኢትዮጵያ ርኡይ ለውጢ ንዘመዝገቡ ትካላት ጥዕናን ወረዳታትን ክብርን እውን ኣፍልጦን ሂቡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ዶ/ር መኮነ ሓጎስ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ብብሉፅ፡ፍሉይ ስራሕን ኣገልግሎት ዝተሓረዩ ኢትዮጵያውያን ሓካይም ተሸሊሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:58 0:00

XS
SM
MD
LG