ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲቪ ሎተሪ ክዛዘም 10 መዓልታት ተሪፍዎ


ድሕሪ 10 መዓልታት ዝዛዘም ምምልካት ዲቪ ሎተሪ ኣመልከቲ እንተወሓደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝወድኡ ክኾኑ አለዎም ክብሉ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።ኣመልከቲ ካብ መታለልትን ርእሶም ክከላኸሉ’ውን ኣተሓሳሲቦም ኣለው።

መንግስቲ ኣሜሪካ ናብታ ሃገር ኣትዮም ክሰርሑን ክነብሩን ንዝደልዩ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝመፁ ሰባት ዲቪ ሎተሪ ይህብ።ናይ 2018 ዓ.ም. ዕድል ብምጥቃም ናብ ኣሜሪካ ንምእታው ዝደልዩ ሰባት ናይ መመልከቲ እዋን ዝዛዘም 8 ሕዳር 2016 ዓ.ም ወይ 28 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም እዩ።

ብዛዕባ’ዚ መብርሂ ዝሃቡ ኣብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ምኽትል ሓላፊ ቆንስል ማይክል ላሲክ ኣመልከቲ ከማልኡዎም ብዛዕባ ዘለዎም’ውን ሓበሬታ ሂቦም ኣለው።

“ኣመልኸቲ ብትምህርቲ ወይ ድማ ብልምዲ ስራሕ ሓዲኡ ከማልኡ ኣለዎም።ብትምህርቲ እንተወሓደ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝወድኡ ክኾኑ ኣለዎም።ካብ ኮሌጅን ዩኒቨርስትን ዝተመረቑ እንተኾይኖም ድማ ዝበለፀ ዕድል ይሕልዎም።ንመዐቀኒ ትምህርቲ ዘይማልኡ እንተኾይኖም ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ተኸታታሊ ናይ ክልተ ዓመት ስራሕ ልምዲ ክሕዙ ኣለዎም “ ኢሎም።

ሰባት ግዳይ ምጭብርባር ከይኾኑ ክጥንቀቑ ከምዘለዎምን ሓደ ሰብ ምስኣመልከተ ንሱ በይኑ ዝፈልጣ ቁፅሪ ስለዝውሃቦ ነታ ቁፅሪ ብጥንቃቐ ሒዙ ካብ ግንቦት 2017 ወይ 13 ግንቦት 2009 ዓ/ም ጀሚሩ እታ ቑፅሪ ሒዙ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከረጋግፅ ከምዝኽእል ይዛረቡ።መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾነ ይኹን ክፍሊት ከምዘይኽፍል’ውን ሓቢሮም።

መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ብዘይካ ዝተወሰና ሃገራት ኣብ ዓለም ንዝርከባ ኩለን ሃገራት በብዓመቱ 50 ሽሕ ናይ ቪዛ ዕድላት ከምዘዳልው ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ዲቪ ሎተሪ ክዛዘም 10 መዓልታት ተሪፍዎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:30 0:00

XS
SM
MD
LG