ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ፡ ተማሃሮ ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ንትንበያ ኩነታት ኣየር ትሕግዝ መሳርሒት ምሂዞም


ኣብ መጀምርያ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሻውዓይ ፌስቲቫል ላዕለዎት ትምህርቲ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ትምህርታዊ፡ባህላዊን ስፖርታዊን ንጥፈታት ዝሓዘለ’ዩ ኔሩ።

ኣብዚ ፌስቲቫል ካብ ትሸዓተ ኮሌጃት ኤርትራ ዝመጹ ተማሃሮ ዝተሳተፉ ክኾኑ ከለው ካብቲ ብተማሃሮ ዝቐረቡ ንጥፈታት ኣብ ምህዞን ሰንዓን ካብ ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ብተማሃሮ ሲራክ ኪዳነን ጳውሎስ ንጉሰን ዝተማህዘ ንትንበያ ኩነታት ኣየር ትሕግዝ መሳርሒት ቀሪባ ኔራ።

ብዛዕባ እዛ መሳርሒት ዝምልከት ምስ መሃዝቲ ተማሃሮ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG