ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ፕሬዝዳንት ማይክ ፔንስ መን እዮም?


መበል 58 ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ
መበል 58 ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ

ካብ ዶናልድ ትራምፕ ብተፃራሪ ምኽትል ፕሬዝዳንት ማይክ ፔንስ ኣብ ናይ ህዝባዊ ስርሓት ተመኩሮ ኣለዎም።ንሽዱሽተ ናይ ስልጣን ዘመን ኣባል ኮንግረስ፣ከምኡ እውን ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኢንዲያና ብምዃን መንግስታዊ ስረሓት'ውን ሰሪሖም እዮም።

ማይክ ፔንስ ካብ ማእኸላይ ምዕራብ ክፋል ኣሜሪካ ዝመፁ ፅኑዕ መርገፂ ዓቃባዊያን ዘለዎም እዮም።

"ፅቡቕ ገይሮም ዘለሉዩኒ ሰባት መን ምዃነይ ይፈልጡ እዮም’" ይብሉ ፔንስ ኣስዒቦም ድማ "ብዙሕ ዝተሓላለኸ ስብእና እውን ዘይብለይ ሰብ እየ።ቅድም ክርስቲያን፤ካብኡ ዓቃባዊን ሪፓብሊካዊን እየ።ብቕደም ስዓብ ከምኡ እየ ዝግለፅ’’ይብሉ።

ፔንስ ኣብ ዝመፁላ ክፍለ ግዝኣት ኢንዲያና ቅቡላት ንዝኾኑ ክብርታት ዝለዓለ ክብሪ ዝህቡን ዝስዕቡን ክብሉ ኪግሎባል ኣብዝተብሃለ ናይ ኮንሳልታንት ትካል ዝሰርሑ ራንዲ ደክሊን ‘ጥቕልል ኣቢልካ ክርአ ከሎ መልእኽቶም ኣብ ኣወንታ ዝተመስረተን ዘበራብርን’ይብሉዎም።

ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወክልቲ ኣሜሪካ ዝኾኑ ፖል ራይን እውን ንፔንስ ‘ክትኣምኖ ዝክኣለካ፣ውፉይን ዝእመኑን ካብ ምንቅስቓስ ዓቃባዊ ኣተሓሳስባ ካብ ኣሜሪካዊ ኣተሓሳስባ ዝቦቐሉ እዮም’ይብሉዎም።

ኣብ ክልተ ዘይዕዉት ውድድራት ምርጫ ድሕሪ ምስታፎም ኣብ መወዳእታ ኣብ 2000 ዓ.ም ንኢንዲያና ብምውካል ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ኮይኖም።

ናይ ዋሽንግተን ዲስ ተመኩሮ እንተሃለዎም እውን መንግስቲ መልሲ ንናይ ኩሎም ፀገማት ህዝቢ እዩ ዝብል እምነት የብሎምን።

ፅኑዕ መርገፂታት ማይክ ፔንስ ኣብ ናይ ትራምፕ ምምሕዳር ሓላዊ ሚዛን ክኸውን ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።

XS
SM
MD
LG