ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ቁጠባ ዓለም ዝሓሸ ዕብየት ከምዘመዝግብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ኣፍሊጡ


ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን - ዋሽንግተን ዲሲ
ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን - ዋሽንግተን ዲሲ

ቁጠባ ዓለም ብዝሓሸ ዕብየት ክቕጽል’ዩ ክብል ትካል ገንዘብ ዓለም ትንበይኡ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ዚ ኢትዮጵያ ብ7.5 ሚእታዊት ኤርትራ ኸአ ብ3.3 ሚእታዊት ኣብ ዝቕጽል ዓመት ዕብየት ከመዝገባ’የን።

ትማሊ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተጀመረ ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን ከምዝተገልጸ ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓያል ፈተና ገጢምዎ ኔሩ ካብኡ ምሕሳር ዋጋ ሰቐጣታት ዕዳጋን ብፍላይ ነዳዲ ዘይትን እዚ አታዊአን ንዝኾነ ሃገራት ዝያዳ ምሕሳዩ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ትንበያ ትካል ገንዘብ ዓለም ዝመጽእ ዓመት ዝሓሸ ኽኸውን’ዩ። ኢኮኖሚ ዓለም ሎሚ ዓመት 3.5 ሚእታዊት ዕብየት ኣርእዩ’ሎ። ናይ ኣፍሪቃ’ውን ምስዚ ናይ ዓለም ዝመዓራረይ ኾይኑ’ሎ። ቅድሚ ሎሚ ኢኮኖሚ ኣፍሪቃ ብቅልጡፍ ዝዓብያ ዝነበራ ሃገራት’ውን ዘኻተተ ምንባሩን ግን እዚ ዕብየት’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ስእነት ሰላምን ተፈጥሮ ዝፈጠሮ ተጽዕኖ ከምዝዛሕተላ ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG