ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ስራሕ ሰናይ ተግባር ዝወፈረ ስድራ


ሓሰን ዓብደላ ምስ ተጠቐምቲ ኣዴታት
ሓሰን ዓብደላ ምስ ተጠቐምቲ ኣዴታት

ኣብ ከተማ መቐለ ዝነብሩ ስድራ ሓጂ ባድረግ ሓሰን ንህዝቢ ብምሕጋዝ ይልለዩ። ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 14 ህዝቢ መሳገሪ ስኢኑ እንክፅገም ዝረኣዩ ሓጂ ባድረግ ቢንቶ ሃኒፆም ህዝቢ ካብ ስቕቕታ ከምዘድሐኑዎ ህዝቢ ከተማ መቐለ ይዝክር።

በዓልቲ ቤቶም ድማ ናውቲ ውሽጢ ገዛ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ክሳብ ምሃብ ዝበፅሕ ሓገዝ የበርክታ ምንባረን ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ይምስክሩ።

ሰናይ ተግባር ካብ ወለዶም ዝወረሱ ሓጂ ዓብደላ ባድረግ ድማ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ን12 ናባዪ ዘይብለን ኣደታት ንነብሰወከፈን ዝተማለአ ኣባይቲ ሃኒፆም ከምዝሃቡ ምቕራብና ይዝከር። እተን ኣደታት ከይተፀገማ ምእንቲ ክነብራ ነብሲወከፍ ዝተሃነፀ ገዛ ናይ ባዕሉ ቆፃሪት ማይን መብራህትን ከምኡ እውን ሽቓቕን መሕፀቢ ነብስን ዘማለአ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ወዶም ሓሰን ዓብደላ ባድረግ ብተመሳሳሊ ን12 ረዳኢ ዝሰኣና ኣደታት ዝተማለአ ገዛውቲ ሃኒፁ ኣረኪቡ'ሎ። ሓዉ ዓብደልቃድር ዓብደላ እውን ተወሳኺ 12 ኣባይቲ ይሃንፅ'ሎ።

ስድራ ሓጂ ዓብደላ ባድረግ ካብዚ ንላዕሊ ንምስራሕ ተሊሞም ኣለዉ፤ ብመሰረት እዚ ሓደ ማእኸል መዋልዳን ሆስፒታል ንምህናፅ ኣንቂዶም ምህላዎም ንድምፂ ሬድዮ ኣመሪካ ገሊፆም እዮም። "ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ሓለዋ ክሳብ ዝለዓላ ሓካይም ብደቀንስትዮ ጥራሕ ዝምራሕ ክኸውን እዩ ሓሳበይ" ኢሎም ሓጂ ዓብደላ።

ነቲ ዝተገብረ ሓገዝ ብኣካል ተረኺበን ዝረኣያ ኣካያዲት ስራሕ ማሕበር ደቀንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ዘነበሽ ፍስሃ ማሕበረን ንስድራ ባድረግ ልዑል ክብሪን ናእዳን ከምትህብ ገሊፀን፤ ካልኦት ሰብ ሃብቲ እውን ነዚ ቅዱስ ተግባር ክስዕብዎ ብስም ማሕበረን ፀዊዐን።

ምሉእ ትህዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ስራሕ ሰናይ ተግባር ዝወፈረ ስድራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:57 0:00

XS
SM
MD
LG