ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዋሳእትን ዳይረክተራትን ፊልምታት ኣፍሪቃ​ ኣብ ሆሊውድ ተመክሮ ይቐስሙ


ናይጀሪያዊት ስነ ጥበባዊት ኦላጂሞክ በሎ ኣሩዋጆየ
ናይጀሪያዊት ስነ ጥበባዊት ኦላጂሞክ በሎ ኣሩዋጆየ

ገለ ተዋሳእትን ዳይረክተራትን ፊልምታት ኣፍሪቃ​ ኣብ ሆሊውድ ካብ መዘነታቶም ተመክሮ ይረኽቡ ኣለው። ብዙሕ ህልኽ ዝተመልኦ ውድድር ድሕሪ ምክያድ ሰብ ሙያ ምህዞ ኣፍሪቃ ኣብ ሎሳንጀለስ ንሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ግዜ ናይ ፊልምታት ስቱዲዮታትም ክርኡን ናይ ምህዞ ስልጠና ክወስዱን እዮም።

በቲ ዝውሃቦም ስልጠና ክእለቶም ከማዕብሉ እዮም ጥራሕ ከይኮነስ ፈጠርቲ ስራሕ እውን ክኾኑ እዮም። እቲ ፕሮግራም ብምትሕብባር African Technology Foundation, Relativity Educationን ሚንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስን እዩ ተኻይዱ።

ኣብ ሕምብርቲ ወይ ማእኸል ሆሊውድ ፊልም ምስራሕ ንገሊኦም ኣፍሪቃዊያን ከየንቲ ንነዊሕ እዋን ዝሓልምዎ ዝነበሩ እዩ። ክሊዮፓትራ ኮሆርዊ ኡጋንዳዊት ከያኒት እያ። ዝተሰምዓ ዝልዓለ ታሕጓስ ብቃላት ንምግላፅ ከም ዘይክኣለት እያ ትዛረብ።

ናይጀሪያዊት ስነ ጥበባዊት ኦላጂሞክ በሎ ኣሩዋጆየ ድማ ኣብ ሆሊውድ ነዚ ዕድል ምርካባ ኣዚያ ከምዝተሓጎሰት ትገልፅ። ንሳ " እዚ ንዓይ ሕልሚ እዩ፤ዘደንቕን ዘሕጉስን እዩ፤ምኽንያቱ ኣብዚ ክመፅእ እየ ኢለ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን እየ" ትብል።

ኩሎም እዚኦም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ ሰብ ሙያ ኣካል ‘’ሆሊውድ ኢን ፎከስ’’ ተባሂሉ ናይ ዝፅዋዕ ፕሮግራም እዮም። ኣብ ስራሕቲ ፊልም ፍልጠቶም ንምስፋሕ ኣብ ዓውደ-መፅናዕትታት ናይ ተግባር ስራሕትን ይሳተፉ ኣለው።

ኤጊም ፎርቹን ከዚ ናይጀሪያዊ ስኣላይ ፊልምን ዳይረክተርን እዩ።ፊልም ንምስራሕ ኣብ ሆሊውድ ዝረኸቦ ፍልጠት ኣብ ዓዱ ካብ ዝርኸቦ ዝተፈለየ ከምዝኾነ ይገልፅ።ብዓይኑ ብምርኣይን ብተግባርን ዝተሰነየ ትምህርቲ እዩ ይብል። ንሱ " ኣዚዩ ጭቡጥ እዩ።ነግራት እናተፈፀሙ ክትሪኦም ትኽእል።ብእዝኒ ከይኮነስ ብዓይንኻ ኢኻ ትሪኦም።ከመይ ከምዝስርሑ ትፈልጥ ኢኻ" ይብል ።

ተምሃሮ ከም ፈጠርቲ ስራሕ ንርእሶም ክሓስቡን ክሪኡን እዞም ዓውደ መፅናዕትታት ስልጠና ይህቦም። ግለን ካሊስን RELATIVITY EDUCATION ናይ ዝተብሃለ ትካል ፕሬዝዳንት እዮም።

ንሶም " ብግዚያዊነት ወይ ብትርፊ ስዓት ክትቑፀር ስልኪ ክድወለልካ ምፅባይ ኣየድልየካን።ካብ ናይ ትርፊ ስዓት ኢኮኖሚ ናብ ምፍጣር ቀዋሚ ስራሕ ኢኮኖሚ ነሰጋግሮ ኢና ዘለና። ኩባኒያታት ዝውለዳሉ ወይ ምህዞታት ዝፍጠርሉ፣ትሕዝቶታት ካብ ነፃ ድምፅታት ናብ ዝዝርግሐሉ ኩነታት ኢና ንሰጋገር ዘለና" ይብሉ። እቲ ስግግር ብናይ ኢንቴርኔትን ናይ ቴክኖሎጂ ምልውዋጣትን እዩ ክውን ዝኸውን ዘሎ።

ኣብ RELATIVITY EDUCATION ዓለምለኸ ኣማኻሪ ስቲፈን ኦዞኢግቦ ብወገኖም " ብርእሰ-ተበግሶ ዝሰርሑ ብዙሓት መሃዝቲ ከምዘለው ኢና ንሪኢ ዘለና። ብተጠቀምቲ ዝስርሑ ብዙሓት ትሕዝቶታት ኣለው።ብወገን ተጠቀምቲ ክንርኢ ከለና ኣብ መላእ ኣፍሪካ ሞባይል ቴክኖሎጂታት ምስ ምዕባዩ እዞም ትሕዝቶታት እዚኦም ቅድም ኢሉ ካብ ዝነበረ ብዝተሓተ ዋጋ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ናይ ዲጂታዊ ሚዲያ ሓደሽቲ ናይ ምህዞ ወለዶታት ክፍጠሩ ኣኽኢሉዎም እዩ "ይብሉ።።

እዞም ሰልጠንቲ ከም ተዋሳእቲ ወይ ዳይረክተራት ጥራሕ ከይኮነስ ከም ናይ ባዕሎም ሓደሽቲ ውፅኢት ስራሕቲ/ብራንድ/ ዝፈጥሩ ገይሮም ንዓርሶም ክሪኡ ይሕግዞም።

ኡጋንዳዊት ተዋሳኢት ኪሎፓትራ ብወገና "ኣነ ከም ፈጣሪት ስራሕ እየ ንዓርሰይ ዝርኢ።ኣነ ዝነበረኒ ሕፅረት ዝመሃዝኩዎ ወይ ዝሰራሕኹዎ ከመይ ገይረ እየ ክሸጦ ዝብል ኣይፈልጥን ነይረ።ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ዕድላት ስለዘይትፈልጦም ወይ እቲ ስራሕ ስለዘይትረኽቦ ከመይ ከምእትሸጦ ኣይትፈልጥን ኢኻ" ትብል።

እዞም ሰልጠንቲ ኣብዚ ዝተምሃሩዎ ነገር ንመፃኢ ሙዩኦም ወይ ስርሖም የማዕበለሎም ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ኣፍሪካ ናይ ፊልም ኢንዱስትሪ ብደረጃ ዓለም ክብ ከብሉ እውን እዮም።

ኦክ ኡኮጂ ናይጀሪያዊ ተዋሳኣይ እዩ። ንሱ: "ኣብዚ ዝረኸብሉዎ ከምዚ ዝበለ ተመኩሮ ኣብ ሃገረይ ክትግብሮን ናይ ኣተሓሳስባ ደረጃይ ዘስፍሐለይ እዩ።ባዕልና ኣብ ዙሪያ ዓለም ይፍፀሙ ምስ ዘለው ምህዞታት ክንወዳደርን ታሪኽና ብእንደልዮ ክነዘንትው ዕድል ዝህበናን እዩ" ይብል።

እቶም ተመረቕቲ ነቲ ፖርግራም ምስ ወድኡ ኢሎም ኣሰናዳእቲ እቲ ፕሮግራም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሚዲያ ብምጥቃም ምህዙኦም ተጠቒሞም ንቁጠባን ባህልን ሃገሮም ብኣወንታዊ መልክዑ ክፀልው እዮም ይብሉ።

XS
SM
MD
LG