ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳቬድ ናባሮ፡ ሓደ ካብ ሕጹያት ንዳይሬክተር ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ዑደት የኻይዱ


ፋይል - ዶ/ር ዴቪድ ናባሮ
ፋይል - ዶ/ር ዴቪድ ናባሮ

ዳይሬክተር ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ኮይኖም ዝወዳደሩ ዘለው ዶ/ር ዴቪድ ናባሮ ኣብ ምጥፋእ ዝርኸቡ ክልተ ሕማማት፡ ፖልዮን ጊኒ ዎርም( guinea worm) ዝተባህለ ማይ ወለድ ሕማም ክጠፍእ ከምዝስርሑ ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ዑደት ኣብ ዘኻይድሉ እዋን ገሊጾም።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብቲ ግንቦት 23,2017 ዓ.ም ዝኻየድ ምርጫ: ዳይሬክተር ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ኮይኖም እንተተመሪጾም ኣብ ምጥፋእ ሕማም ዓሶ ክሰርሑ ከምዝደልዩ’ውን ሓቢሮም ኣለው። ዳይሬክተር ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ዝኸውን ውልቀሰብ ንምምራጽ ምርጫ ኽኻየድ እዚ ናይ መጀመርያ እዩ።

ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ንሕማም ፖልዮ ካብ ዓለም ንምጥፋእ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ክሰርሕ ጸኒሑ’ዩ፡ ዶ/ር ዴቪድ ናባሮው ድማ ንሶም ዳይሬክተር እቲ ውድብ ኮይኖም እንተተመሪጾም ነቲ ሕማም ምሉእ ንምሉእ ከምዘጥፍኡ ይገልጹ።

“ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ዝሓመመ ሰብ ምትራፉ ነረጋግጽን ንኹሉ ሰብ ካብቲ ሕማም ምኽልኻል ክሳብ ዝኸአል ክንጥቀቕን ልዑል ትኹረት ክንህብ ይግባእ።”

ንሶም ብተወሳኺ ነቲ ንልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ዘስግእ ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ልዑል ገስጋስ ከምዘድልይ ይሕብሩ።

ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ምቁጽጻር ሕማም ዓሶ ጽቡቕ ምዕባለ ከምዝተመዝገበ ይኹን ደአ እምበር ገና ብዙሕ ዝስራሕ ከምዝተረፈ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ቆልዑትን ህጻናትን ዝርኸብዎም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብሕማም ዓሶ ከምዝሞቱ እንተኾነ ሕማም ዓሶ ክሓውን ኽትኸላኸሎ ትክእል ሕማም ምኳኑ ይገልጹ።

ዶ/ር ዴቪድ ነባሮው ዝበዝሓ ጊዜ ኣብ ሞያ ዓለምለኸ ህዝባዊ ጥዕናን ኣብ ሃገሮም ብሪጣንያን ዘገልገሉ ኮይኖም ኣብ እዋን ምርኣይ ሕማም ኢቦላ አካል ፍሉይ ልዑኽ ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ዝሰርሑ ኣብ ነሓሰ 2014 ዓ.ም ናብ ሰራልዮን ዝበጽሑን እዮም።

“ማሕበረሰብ ዓለም ከም ሓደ አካል ኣብ እዋን ምርኣይ ተላጋቢ ሕማም ኮነ ስግኣት ጥዕና ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ክህብ ይደልይ ምክንያቱ እዚ ማለት እቲ ጸገም ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኣይኽከውንን ማለት እዩ።”

ዶ/ር ናባሮ ኣብ 1999 ዓ.ም ንዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ዝተጸንበሩ ኽኮኑ ኸለው ካብ ሽዑ ጀሚሮም ምስቲ ውድብን ሕቡራት ሃገራትን ክሰርሑ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ግንቦት 23,2017 ዓ.ም ኣብ ጀነቫ ዝኻየድ ምርጫ ዳይሬክተር እቲ ውድብ ኮይኖም ክዕወቱ ተስፋ ይገብሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG