ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክብረ በዓል ጥዕና ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ


ክብረ በዓል ጥዕና ትግራይ
ክብረ በዓል ጥዕና ትግራይ

ክብረ በዓል ጥዕና ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

ኣብቲ ክብረ በዓል ጥዕናዊ መደባት ትግራይ ኣብ ምዕዋት ንዝሰርሑን ዝሕግዙን ዘለዉ ትካላትን ሰብ ሞያን ክብርን ኣፍልጦን ተዋሂቡ።

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣይተ ሓጐስ ጐደፋይ መደባት ጥዕና ትግራይ ኣብ ምዕዋት ብክእለት፣ብገንዘብን ንዋትን ንዝሓገዙ ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት ንዝሃብዎ ኣበርክቶ ክብርን ኣፍልጦን ብምሃብ የቐንየልና ኢሎም።

ክብረ በዓል ጥዕና ትግራይ
ክብረ በዓል ጥዕና ትግራይ

ርእሰ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ብወገኖም ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ጥዕና ኢትዮጵያ ሕማምን ሞትን ኣብ ምንካይ ርኡይ ለውጢ ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ኣብቲ በዓል ኣብ ስራሕቶም ጸብለልታ ንዘርአዩ 206 ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ሽልማትን መግለፂ ክብርን ካብ ኢድ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ተቐቢሎም።

ብሓገዝ መንግስታት ኣመሪካን ጥልያንን ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሃነፀ ትካል ምርምር ጥዕና ትግራይ እውን ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተመሪቑ 'ሎ።

XS
SM
MD
LG