ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕማም ካልኣዛር ኣብ ሰለስተ ዞባታት ክልል ትግራይ ተራእዩ


ካልኣዛር ብመንኸስቲ ካብ ጣንጡ ድቕቕ ዝበላን ሃመማ ሑፃ ተባሂለን ዝፅወዓ ሓሳኹ ዝለዓል ኽኸውን ከሎ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓለፍን ሕማም’ውን እዩ።

እዚ ሕማም'ዚ ኣብ ትግራይ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ብዝለዓለ ብርኪ ይረአ።ካልኣዛር ኣብ 5 ክልላት ኢትዮጵያ ካብ 1976 ዓ.ም. ፈረንጂ ኣትሒዙ ዝተርኣየ ኾይኑ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን’ውን ትራእዩ እዩ። ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዞባ ምዕራብ ይኽሰት ምንባሩን ሎሚዘበን ግና ኣብ ዞባ ማእኸልን ኣብ ደቡብን ከምዝተረኣየ ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ላዕለዋይ ሓላፊ ቅድመ መጠንቀቕታ ሕማማት ኣይተ ዮሃንስ ገብረሃዋርያ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ምልክታት ሕማም ካልኣዛር ምስ ምልክታት ሕማም ዓሶ ዝመሳሰል ኾይኑ ምልክታት ሕማም ካልኣዛር ረስኒ፣ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ምንካይ ክብደት፣ሕብጠት ፀላም ከብዲ፣ዋሕዲ ደም ኽኸውን ኸሎ ናብ ሞት ዘቃልዕ ሕማም እውን ምዃኑ ኣይተ ዮሃንስ ይዛረቡ።

ፅርየት ከባቢ ምሕላው፣ ኣባይቲ ብመድሓኒት ምንፃግ፣ ዛንዜራ(ላምስያ) ምጥቃም፣ ነቓዕ ዋልካ መሬት ምድፋንን ጕላ(ጎዳጉዲ) ምጥፋእን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዝጠቕሙ ሜላታት እዮም።

ካልኣዛር ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሱዳን፣ኢትዮጵያ፣ኬንያን ኤርትራን ብስፍሓት ይረአ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ሕማም ካልኣዛር ኣብ ሰለስተ ዞባታት ክልል ትግራይ ተራእዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:34 0:00

XS
SM
MD
LG