ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ወያነ ትግራይ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ፍልፍል መፅናዕቲ ክኸውን ይግባእ” ቀ/ሚ ኢትዮዽያ


ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ትግራይ
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ትግራይ
መበል 38 ልደት ህ.ወ.ሓ.ት ንምኽባር ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም መግለጺ ዝሃቡ ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣቦ ወንበር ኢህወዴግን ሃይለማርያም ደሳለኝ ብውሕዳት ዕሸላት ኮይኑ ግና ሰብ ራእይ መናእሰይ ቅድሚ 38 ዓማውቲ ዝተወለዐ ወያነ ትግራይ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተኻየዱ ተመሳሰልቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ መፅናዕቲ ንዘካይዱ ተመራመቲ ታሪኽ ተጓሕጕሑ ዘይውዳእ ፍልፍል ምርምር ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡

ንቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ተኪኦም ስልጣን ዝተረከቡን ንፈለማ እዋን ኣብ በዓል ለካቲት 11 መግለጺ ዝሃቡ ኣይተ ሃይለማርያም መግለጺ ጥንካረ ህ.ወ.ሓ.ት ልዕልነት ህዝቢ ኣብ ምኽባር ዘለዎ ዘይናወፅ መርገጺ እዩ እውን ኢሎም፡፡

“ኣብ 38 ዓማውቲ ብመሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ዳሓር እውን ንኢህወዴግ ምስ ኣሓት ውድባት ኣጣይሹ ኣብቶም ዝሓለፉ 21 ዓማውቲ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕዳሰ ሃገርና ንምርግጋጽ ንዘካየዶ መሰታ ዘይብሉ ቃልሲ ብሽም ውድብና ውድብ ኢህወዴግ፣ መላእ ኣባላቱን ኣመራርሓን ልዑል ምስግና አቕርብ” ብምባል ዘረባኦም ከምቢቶም ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣቦ ወንበር ህ.ወ.ሓ.ትን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣይተ ኣባይ ወልዱ ሎምዘበን ዝኽበር ዘሎ ልደት ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ድሮ መበል 11 ጉባኤ ህ.ወ.ሓ.ት ምዃኑ ገሊጾም፡፡

ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:29 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG